ንኮንዶም ብኸመይ ትጥቀምሉ
መትሎኹም ናብ ርሕሚ ቅድሚ ምእታውኩም ኮንዶም ግበርሉ። ከምዚ ዝስዕብ ግበር፡-
- ናይ ኣገልግሎት ግዜኡ ሕጂውን ከምዘይሓለፈ ኣረጋግጹ። ኣብ ሽፋኖም ናይ CE ደረጃ ብቕዓት ዝተጠቀዐሎም ኮንደማት ጥራይ ተጠቐም።
- ነቲ ከረጢት በቲ ሕርሓር መሰረት ቀዲድኩም ክፈትዎ። መቐስ፡ ካራ ወይ ከኣ ስንኹም ኣይትጠቐሙ፡ ከምኡ ድማ ብኣጽፋርኩም ከይተንኩልዎ ተጠንቀቑ። ነቲ ኮንዶም ክትሃስይዎ ትኽእል ኢኹም።
- መትሎኹም ዘይተኸንሸበ እንተኾይኑ ንቆርበት ርእሲ መትሎኹም ንድሕሪት ክበስዎ። ናይቲ ኮንዶም ጫፍ፡ መትሓዚ ንናይ ዘርኢ ፈሳሲኹም ዝኸውን ቦታ መታን ክህልዎ፡ ጸቒጥኩም ሓዝዎ’ሞ፡ ካብኡ ናብ ርእሲ መትሎኹም ኣጸግዕዎ። እቲ መትሎ ክተርር ኣለዎ (ክቐንዕ ኣለዎ)።
- እቲ ዝተጠቕለለ ጥርዚ ናይቲ ኮንዶም ብላዕሊ ከምዘሎ ኣረጋግጹ። ሽዑ እቲ ኮንዶም ኣብ እዋን ጾታዊ-ርክብ መታን ከይሸቱኽ እቲ ጥቕላል ናይቲ ኮንዶም ክሳዕ እግሪ መትሎኻ እናዘርጋሕካ ኣእትዎ።
- ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ምስ ኣፍሰስኩም፡ እቲ ኮንዶም ካብ መትሎኹም ኣውጽእዎ። መትሎኹም ብቕንዑ እናሃለወ ኢኹም ነቲ ኮንዶም ብኸፈፉ ሒዝኩም ከተውጽእዎ ዘለኩም።
- ናይ ዘርኢ ፈሳሲኹም ካብቲ ኮንዶም ከይልሑኽ ተጠንቀቑ።
- ነቲ ኮንዶም ኣብ ጥቓ ኣፉ ቁጸርዎ። እዚ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ከይልሑኽ ይከላኸል። ነቲ ዝተጠቐምኩምሉ ኮንዶም ናብ ናይ ጉሓፍ ሰንኬሎ ደርብይዎ።
ናይ ኣገልግሎት ግዜኡ ሕጂውን ከምዘይሓለፈ ኣረጋግጹ። ኣብ ሽፋኖም ናይ CE ደረጃ ብቕዓት ዝተጠቀዐሎም ኮንደማት ጥራይ ተጠቐም።
ነቲ ከረጢት በቲ ሕርሓር መሰረት ቀዲድኩም ክፈትዎ።
ናይቲ ኮንዶም ጫፍ፡ መትሓዚ ንናይ ዘርኢ ፈሳሲኹም ዝኸውን ቦታ መታን ክህልዎ፡ ጸቒጥኩም ሓዝዎ’ሞ፡ ካብኡ ናብ ርእሲ መትሎኹም ኣጸግዕዎ።
እቲ ዝተጠቕለለ ጥርዚ ናይቲ ኮንዶም ብላዕሊ ከምዘሎ ኣረጋግጹ። ሽዑ እቲ ኮንዶም ኣብ እዋን ጾታዊ-ርክብ መታን ከይሸቱኽ እቲ ጥቕላል ናይቲ ኮንዶም ክሳዕ እግሪ መትሎኻ እናዘርጋሕካ ኣእትዎ።
ብድሕሪ’ዚ፡ እቲ ኮንዶም ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ድሉው ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ።
ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ምስ ኣፍሰስኩም፡ እቲ ኮንዶም ካብ መትሎኹም ኣውጽእዎ። መትሎኹም ብቕንዑ እናሃለወ ኢኹም ነቲ ኮንዶም ብኸፈፉ ሒዝኩም ከተውጽእዎ ዘለኩም።
ናይ ዘርኢ ፈሳሲኹም ካብቲ ኮንዶም ከይልሑኽ ተጠንቀቑ።
ነቲ ኮንዶም ኣብ ጥቓ ኣፉ ቁጸርዎ። እዚ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ከይልሑኽ ይከላኸል። ነቲ ዝተጠቐምኩምሉ ኮንዶም ናብ ናይ ጉሓፍ ሰንኬሎ ደርብይዎ።
ነቲ ኮንዶም ሓደ ግዜ ጥራይ ተጠቐምሉ።
ኮንደማት ከከም ርጉዲ ናይ መትሎታት ብዝተፈላለየ ዓቐን እዮም ዝዳለዉ። እቲ ኮንዶም ኣዝዩ ክሰጥም ወይ ከኣ ክልሕልሕ የብሉን።
ኣብ ሓደ ግዜ 2 ኮንዶም ኣይትጠቐሙ። እቶም ኮንዶማት ክቕደዱ ይኽእሉ እዮም።
ነቲ ኮንዶም፡ ኣብ ማይ መሰረት ዝገበሩ ወይ ኣብ ሲሊኮን መሰረት ዝገበሩ መለሳለስቲ ቅብኣታት ጥራይ ተጠቐምሉ። ናይ መሃንቱስ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም እንከለኻ ብዙሕ መለሳለስቲ ቅብኣታት ምጥቃምኩም ኣረጋግጹ።
ኮንዶም ምዕዳግ
ኮንዶም ኣብ ቤት መሸጣ መድሃኒት፡ እንዳ ቀማማይ ወይ ከኣ ኣብ ሱፐርማርኬት ክትዕድጉ ትኽእልኡ ኢኹም። ኣብ ገለ እዋናት ከኣ ኣብ ባራት፡ ለይታዊ ትልሂታት ወይ ኣብ መሻየጢት ማሽን ክትረኽቡ ትኽእሉ።
ናይ ኮንዶም ዋጋ ካብ 0.20 ክሳዕ 0.90 ኤውሮ ይበጽሕ። ንኣብነት ፍሉያት ኮንዶማት፡ ዋጋኦም ክብር ዝበለ እዩ። ሓተትቲ ዕቑባ ኣብቲ ዝተዓቘቡሉ ማእከል ኮንዶም ብናጻ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም።