ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ፡ ኣካላት ዘርእዮ ግብረ-መልሲ

ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ብዝተፈላለየ መድረኻት ውትራን ምልዓል ስምዒት ይሓልፉ እዮም። እቶም መድረኻት ንኹሎም ሰባት ሓደ ዓይነት ስለዘይኰኑ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ግዜ ዝተፈላለዩ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

  • ድሌት ወይ ቃሕታ
  • ምልዓል ስምዒት፡
  • ጥርዘ ስምዒት፡
  • ህድእ ምባል።

እዚ ግራፍ፡ ኣብ ኣካላት ዝርአ ዝተፈላለየ መድረኻት ምልዓል ስምዒት የመልክት፦ 1. ድሌት ወይ ቃሕታ፡ 2. ምልዓል ስምዒት፡ 3. ጥርዘ ስምዒት፡ 4. ህድእ ምባል

ድሌት ወይ ቃሕታ

ፈለማ፡ ጾታዊ ድሌት እዩ ዝስምዓኩም። ጾታዊ ርክብ ትገብሩ ከም ዘለኹም ይስምዓኩም።

ምልዓል ጾታዊ ስምዒት

እንተ ደኣ ኣካላትኩም ተረሳሲኑ፡ ብድሕሪ’ዚ ደስታ ክስምዓኩም ይኽእል።

  • እቲ መትሎ ይተርር፡ ይገዝፍን ይትንስእን፦ እዚ ምቕናዕ መትሎ (ደቂ-ተባዕትዮ) እዩ፡
  • እቲ ርሕሚ (ደቂ-ኣንስትዮ) ድማ ይትርክስ፡
  • ከናፍር ርሕሚን ጉድበን (ደቂ-ኣንስትዮ) ይሓብጡ፡
  • ጫፋት ናይ ጡብ ይተራ፡
  • ህርመት ልቢ መሊሱ ይውስኽ።

ጾታዊ ድሌትኩም መሊሱ እንተ ደኣ በርቲዑ፡ ኣብ ኣካላትኩም ዘሎ ስምዒት ዝያዳ ይዓቢ።

ምልዓል ጾታዊ ስምዒት፡ በቲ ኣብ ኣካላትኩም ዘጋጥም ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ ዝውሰን፡ በቲ ዝስምዓኩምን እትሓስብዎን ዘለኹም እውን ይምርኰስ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ መጻምድኹም ርህራሀ ክስመዓኩም ወይ ኣብ ርእስኹም ሓሳባዊ ጾታዊ ርክብ ክትገብሩ ትኽእሉ።

ጥርዘ ስምዒት

እቲ ጥርዘ ስምዒት ዝበሃል፡ ካብ ኣካላትኩም ጾታዊ ሓይሊ ምፍናው ማለት እዩ<

  • እቶም ጎሎ ጭዋዳታት ድማ ይጨባበጡ፡
  • ደቂ-ተባዕትዮ፡ ጥርዘ ስምዒት ኣብ ዝበጽሕሉ፡ ዝበዝሕ ግዜ ዘርኢ የፍስሱ። ካብ መትሎኦም፡ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ለዝዝ ይብል ወይ ፈጸጽ ኢሉ ይወጽእ።
  • ገለ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ጥርዘ ስምዒት ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ከም ፈሳሲ ናይ ወዲ-ተባዕታይ ካብ ርሕመን ቀጢን ፈሳሲ ይፍንዋ።

ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን፡ ኵሉ ግዜ ጥርዘ ስምዒት የብሎምን።

ህድእ ምባል

ድሕሪ ጥርዘ ስምዒት፡ ጾታዊ ስምዒት ቀስ ብቐስ እናዘሓለ ይመጽእ፡ ኣካላት’ውን ህድእ ይብል።