ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ክሽቦ

ክሽቦ ወዲ-ተባዕታይ፡ ቆብዕ ወይ ቆርበት መትሎ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብከፊል ንምውጋድ ዝግበር ንእሽቶ መጥባሕቲ እዩ።

ድሕሪ ምኽንሻብ ወዲ-ተባዕታይ፡ ናይቲ ኣንፊ መትሎ ቆርበት ቁሩብ ትርር ዝበለ ይኸውን። ገለ ግዜ፡ ሕብሪ ናይቲ ኣንፊ መትሎ ቁሩብ ጽልም ክብል ይኽእል።

ደው ዝበለ ወዲ-ተባዕታይ። እቲ ጠመተ’፡ብዓይኒ ኣብ ዝርአ ናይ ጾታዊ ርክብ ክፍሊ-ኣካላት ይኸውን።

ቆቢዕ ወይ ቆርበት መትሎኡ ብኣጻብዕቱ ዝሓዘ ወዲ-ተባዕታይ።

ቆቢዕ ወይ ቆርበት ዘለዎ መትሎ፦ ዘይተኸንሸበ

ቆቢዕ ወይ ቆርበት ዘይብሉ መትሎ፦ ዝተኸንሸበ

ምኽንያታት ምኽንሻብ ወዲ-ተባዕታይ

ክሽቦ ወዲ-ተባዕታይ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክካየድ ይኽእል፦

  • እቲ ቆብዕ ወይ ቆርበት መትሎ ኣዝዩ ጸቢብን ንድሕሪት ክስሓብ ዘይክእልን እዩ። ዝበዝሕ ግዜ፡ ሽንቲ ምሻን፡ ምቕናዕ መትሎ ወይ ስጋዊ ርክብ ምፍጻም ኣቐንዛዊ እዩ፦
  • ብሃይማኖታዊ ምኽንያታት፡
  • ኣካላዊ ንጽህና
  • ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪካ፡ ምኽንሻብ ወዲ-ተባዕታይ ከም መከላኸሊ ኤች.ኣይ.ቪ ተገይሩ ይውሰድ። ኣብ ኤውሮጳ፡ ምኽንሻብ ወዲ-ተባዕታይ ከም መከላኸሊ ኤች.ኣይ.ቪ ገይርካ ምውሳድ ዝምከር ኣይኮነን።

ገለ ደቂ-ኣንስትዮ እውን ይኽንሸባ እየን። እዚ ንደቂ-ኣንስትዮ ጎዳኢ ስለዝኾነ፡ ምኽንሻብ ጓለንስተይቲ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ስግኣተ-ሓደጋ

ምኽንሻብ ወዲ-ተባዕታይ፡ ተኽእሎ ሕክምናዊ ጸገማት ክፈጥር ይኽእል እዩ። ብተደጋጋሚ፡ መድመይቲ፡ ረኽሲታትን ጽበት መትረብ ሽንቲ የጋጥም። ካብ ገለ ባህሊታትን ሃይማኖታትን ዝመጹ ወለዲ፡ ደቆም ከም ዝኽንሽቡ ትካላት ሕክምና ይፈልጣ እየን። ይኹን እምበር፡ ናይ ጥዕና ጸገማት ከስዕብ ስለዝኽእል፡ ከይግበር እዮም ዝምዕዱ።