ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ወርሓዊ ጽግያት

ናይ ጓለነስተይቲ ዋህዮታት እንቋቚሖ ኣብ ማህደር እንቋቚሖ እዮም ዝቕመጡ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ወርሒ፡ መዓልቱ ዝኣኸለ ዋህዮ እንቋቚሖ ካብ ማህደር እንቋቚሖ ይወጽእ። እዚ ድማ ጽፍዮ-እንቋቚሖ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ሻምብቆ ማህጸን፡ ንዋህዮ እንቋቚሖ ናብ ማህጸን ይወስዶ። ናይታ ጓለነስተይቲ ማህጸን ንጥንሲ ይዳሎ፡ እቲ ኣብ ማህጸን ዝርከብ ረቂቕ ልፋጫዊ ሽፋን ድማ፡ ዝጸገየ ዋህዮ እንቋቚሖ ክቕበል ናብ ዝኽእለሉ ደረጃ ይዓቢ። እቲ ረቂቕ ሽፋን፡ ዋህዮ እንቋቚሖ (ንኽትከል ወይ ንኽሰርጽ) ከም ሰፍር ኰይኑ የገልግሎ።

ዋህዮ እንቋቚሖ ክራባሕ እንተዘይክኢሉ፡ እታ ጓለንስተይቲ ክትጠንስ ኣይትኽእልን እያ። ረቂቕ ልፋጫዊ ሽፋንን ደምን ካብ ማህጸን ይወጽኡ። ብርሕሚ ገይሮም ድማ ካብ ኣካላት’ታ ጓለንስተይቲ ይወጹ። እዚ ድማ ወርሓዊ ጽግያት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ገለ ሰባት ድማ ወቕቲ ጽግያት ይብልዎ። 

ወርሓዊ ጽግያት፡ ካብ 3 ክሳብ 7 መዓልቲ ክጸንሕ ይኽእል። ወርሓዊ ጽግያት ዝጸንሓሉ ግዜ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ጓለንስተይቲ ዝተፈላለየ እዩ።

ኣብ ምጅማር ወርሓዊ ጽግያት፡ ረቂቕ ልፋጫዊ ሽፋን ደጊሙ ይዓቢ እሞ፡ እንደ ገና ድማ ሓዲሽ ዑድት ይጅመር።

ሓንቲ ጓለንስተይቲ ነቲ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ዝፍጠር ደም ንምምጣጥ፡ ከም ታምፖን ወይ ናይ ጽሬት መሓበሻ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ነገራት ክትጥቀም ትኽእል እያ። 

ጠጠው ዝበለት ሰበይቲ። እቲ ጠመተ ኣብ ውሽጣዊ ጾታዊ ናውቲ ኣካላት እዩ።

1. ዋህዮታት እንቋቚሖ ኣብ ማህደር እንቋቚሖ እዮም ዝኽዘኑ።

2. ጽፍዮ-እንቋቚሖ፦ ዕብየቱ ዝወደአ ዋህዮ እንቋቚሖ ካብ ማህደር እንቋቚሖ ይወጽእ።

3. ሻምብቆ ማህጸን፡ ንዋህዮ እንቋቚሖ ናብ ማህጸን ይወስዶ። ኣብ ማህጸን ዝርከብ ረቂቕ ልፋጫዊ ሽፋን እናተረረ ይኸይድ።

4. ወርሓዊ ጽግያት፦ ረቂቕ ልፋጫዊ ሽፋንን ደምን፡ ካብ ብልዕቲ ጓለንስተይቲ ምውጻእ።

ናይ ፈለማ ወርሓዊ ጽግያት

ሓንቲ ጓለንስተይቲ ኣብ እዋን ጉርዝናአ ማለት፡ ካብ 11 ክሳብ 15 ዓመት ኣብ ዘሎ ዕድሜኣ ንጥንሲ ድሉውቲ ትኸውን። ካብ’ታ ህሞት ጀሚራ ቈልዑ ክትወልድ ትኽእል እያ። ሓንቲ ጓል ካብ’ታ እንቋቚሖ ዝጸፍየትላ ናይ ፈለማ ግዜ፡ ንጥንሲ ድልውቲ ስለ እትኸውን፡ ወርሓዊ ጽግያታ ቅድሚ ምጅማሩ ክትጠንስ ትኽእል። እቲ ዋህዮ እንቁቚሖ እንተ ዘይተጸግዩ፡ ንፈለማ ግዜኣ ወርሓዊ ጽግያት የጋጥማ። ዋላ ንፈለማ ግዜኣ ጾታዊ ርክብ ትግበር ክትጠንስ ትኽእል እያ።

ንጽፈተ-ጽግያት፦ ምቋራጽ ወርሓዊ ጽግያት

ሓንቲ ጓለንስተይቲ፡ ካብ 45 ክሳብ 55 ዓመት ኣብ ዘሎ ዕድመ ወርሓዊ ጽግያት ተቋርጽ። ወርሓዊ ጽግያት ዝቋረጸላ ዕድመ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ጓለነስተይቲ ዝተፈላለየ እዩ። እዚ ድማ ንጽፈተ-ጽግያት ይበሃል። ድሕሪ ምቁራጽ ንጽፈተ-ጽግያት፡ እታ ጓለንስተይቲ ክትጠንስ ኣይትኽእልን እያ።

ንጽፈተ-ጽግያት ኣብ ዝጀማምረሉ እዋን፡ ወርሓዊ ጽግያት ዝረኣየሉ ግዜ ዝተመዛብዐ እዩ ዝኸውን። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ድማ፡ ፈጺሙ የቋርጽ። ንጽፈተ-ጽግያት ካብ ክልተ ወርሒ ክሳዕ ብዙሕ ዓመታት ክጸንሕ ይኽእል።

ንጽፈተ-ጽግያት፡ ንስርዓተ መፍረ ሆርሞናት ጓለንስተይቲ ይልውጦ እዩ። ገለ ደቂ-ኣንስትዮ ዘይምቹእነት ክስመዐን ይኽእል። ንኣብነት፡ ሃንደበታዊ ረስኒ፡ ምቅይያር ኵነተ-ኣእምሮ፡ ስእነት ድቃስ፡ ኣድህቦ ምስኣን፡ ሕማም ርእሲን ድኻምን።

መከላኸሊ ጥንሲ

ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ንረቂቕ ልፋጫዊ ሽፋን ኣብ ማህጸን ከይዓቢ ይኽልክሉ ወይ ከኣ ነቲ ዋህዮ እንቋቚሖ ከይዓቢ (ጽፍዮ እንቋቚሖ ከየጋጥም) ይከላኸሉ። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ፡ እታ ጓለንስተይቲ ኣይትደሚን፡ ወይ ከኣ ቁሩብ ጥራይ ትደሚ።

ግብረስጋ

ገለ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ግዜ ወርሓዊ ጽግያተን ጾታዊ ርክብ ክገብራ ክደልያ እንከለዋ፡ ገሊአን ድማ ኣይደልያን። ሓንቲ ጓለንስተይቲ እንተድኣ ደልያ፡ ኣብ ግዜ ወርሓዊ ጽግያታ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ትኽእል እያ። ከምዚ ምግባራ፡ ናይ ኣካላዊ ንጽህና ጸገማት ኣይፈጥረላን እዩ።

ሓንቲ ጓለንስተይቲ፡ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ክትጠንስ እትኽእል፡ ኣብ’ቲ እትጽግየሉ ግዜ ዘይውሑስ ጾታዊ ርክብ ምስ እትፍጽም እዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ቈዑል ክትወልዳ ድሌት እንተዘይብልክን፡ መከላኸሊ ጥንሲ ተጠቐማ።