ጸገማት ጾታዊ ርክብ ምፍታሕ
ብዛዕባ ጾታዊ ጸገምኩምን ብዛዕባ እንታይ ከም ዝስምዓኩምን ምስ መጻምድኹም ተዘራረቡ ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ናይ ጾታዊ ርክብ ሂወትኩም፡ ብዛዕባ እትፈትዎን ዘይትፈትዎን ነገራት ተዘራረቡ።
ኣብ ገዛእ-ርእስኹምን ኣብ ምጻምድኹምን ኣድህቦ ግበሩ። ብሓባር ኮንኩም ገለ ባህ ዝብል ነገር እትገብሩሉ ግዜ መድቡ።
ጥቡቕ ፍቕሪ እተሕልፉሉ ሃዋህው ፍጠሩ።
ኣብ ናይ ጾታዊ ርክብ ሂወትኩም፡ እተፈላለየ ነገራት ክህልወኩም ፈትኑ።

መጻምዲ ኣብ ዓራት ኰይኖም እናተዘራረቡ።
ናይ ባዕልኹምን ናይ መጻምድኹምን ጾታዊ ድሌት ኣነቓቕሕ።
- ንስጋዊ ርክብ ሂወትኩም ብኸመይ ተመሓይሽዎ ምስ መጻምድኹም ብምዃን ተመያየጡ።
- ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ሕልምኹም ወይ ትምኒትኩም ተዘራረቡ።
- ንስምዒት ጾታዊ ርክብ ዘነቓቕሑ ስእሊታት ወይ ቪድዮታት ረኣዩ፡ ወይ ድማ ንስምዒት ጾታዊ ርክብ ዘነቓቕሑ ዛንታታት ኣንብቡ።
ጾታዊ ርክብ ክትገብሩ እንከለኹም፡ ስምዒት ናትኩምን ናይ መጻምድኹምን ብግቡእ ከምዝተነቓቕሐ ኣረጋግጹ።
ልዕሊ ዓቐን ስእለ-ጽዩፍትርእዩ ዘለኹም ኰይኑ ምስ ዝስምዓኩም፡ ጠባያትኩም ክትቈጻጸሩ ፈትኑ፡ ንኣብነት፦
- ዕለታዊ ናይ ኢንተርነት ኣጠቓቕማኹም ደርትዎ።
- ደስ ዘብል ስምዒት መታን ክህበኩም፡ ካልእ ዘሕጉሰኩም ንጥፈታት ገበሩ። ንኣብነት፡ ስፖርት ወይ ካልኦት እትፎትውዎ ንጥፈታት ምዝውታር።
ነዚ ጸገም’ዚ ምስ መጻምድኹም ብምዃን ፍታሕ ክትረኽብሉ እንተዘይክኢልኩም፡ ወይ እቲ ጸገም እንተ ቀጺሉ፡ ምስ በዓል ሞያ ጥዕና ተዛራረቡ።
መጻምዲ ምስ በዓልሞያ ጥዕና እናተዘራረቡ።