ብመጥባሕቲ ብኸብዲ ምውላድ
መጥባሕታዊ ሕርሲ ብመጥባሕቲ ብኸብዲ ምውላድ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ። ኣብ እዋን መጥባሕታዊ ሕርሲ፡ እቲ ሓኪም ነቲ ቆልዓ ንምውጻእ ናይታ ኣደ ከብዲ ይጠብሖ።
ከብዲ ጠቢሕካ ቆልዓ ክወጽእ ካብ ዘገድዱ ተደጋገምቲ ምኽንያታት እዞም ዝስዕቡ እዮም:
- ናይታ ኣደ ጎሎ ቆልዓ ንምውጻእ ኣዝዩ ዝንእስ እንተኾይኑ;
- እቲ መዳሕንቲ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ማህጸን (ክሳድ ማህጸን) እንተኾይኑ ዘሎ ወይ ከኣ እቲ መዳሕንቲ እንድሕር ላሕሊሑ;
- ክፋል ናይቲ ዕትብቲ በቲ ክሳድ ማህጸን ገይሩ እንድሕር ወጺኡ;
- ርእሲ ናይቲ ዕሸል ንቑልቁል ገጹ እንድሕር ዘይኮይኑ;
- ካብ 1 ንላዕሊ ቆልዑ ዝውለዱ እንተኾይኖም;
- እታ ኣደ ወይ ከኣ እቲ ዕሸል ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ሕርሲ ክካየድ ዘየኽእል ሕማም እንተሃልዩዎም።
ቆልዓ ንምውጻእ ኣብ ከብዲ መጥባሕቲ ዝገብር ሓኪም።
ብመጥባሕቲ ብኸብዲ ምውላድ: እቲ ሕክምናዊ መጥባሕቲ
ዝተወጠነ ወይ ከኣ ዝተሓስበሉ ብመጥባሕቲ ብኸብዲ ምውላድ ናይ ምውላድ መስርሕ ብኸምዚ ዝስዕብ እዩ ዝካየድ:
ንጉሆ ናብ ሆስፒታል ትኣትዊ። ናይ ግድን እንተወሓደ ን 6 ሰዓት መግቢ ከይበላዕኪ (መግቢ ይኹን መስተ ከይወስደኪ) ክትጸንሒ ኣለኪ። ንመጥባሕቲ ትዳለዊ። ንኣብነት: ናይ መጥባሕቲ ጋዎን ትኽደኒ፡ ስልማትኪ ተውጽኢ ከምኡ ድማ መመላኺዒታትኪ ተልግሲ።
እቲ ሓኪም ብትሕቲ ሽምጢኺ መደንዘዚ ክወግኣኪ እዩ። እዚ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ሕቖ ዝውጋእ መርፍእ እዩ። እቲ መርፍእ ኮፍ ኢልኪ ወይ ደቂስኪ ክትውግእዮ ትኽእሊ።
ሓኪም ነታ ጥንስቲ ጓለንስተይቲ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ሽምጣ መደምዘዚ እናወግኣ።
ኣብ እዋን ሕርሲ፡ መጻምድኺ ወይ ካልእ ዝመረጽክዮ ሰብ ምሳኽኢ ክጸንሕ ይኽእል እዩ። እቲ ሓኪም ኣብ ከብድኺ ማለት ኣብ ልዕሊ ጸጉሪ ብልዕትኺ ይጠብሓኪ። ፈጺሙ ቃንዛ ኣይስመዓኪን፡ ይኹን እምበር መጥባሕቲ ይግበረልኪ ምህላዉ ክስመዓኪ ይኽእል እዩ።
እቲ ሓኪም ቆልዓኺ የውጽኦ። ብምሉኡ እቲ መጥባሕቲ ክሳዕ 1 ሰዓት ይውድእ።
ብድሕሪኡ እቲ ዕትብቲ ይቑረጽ።
እንተድኣ ብመጥባሕቲ ብኸብዲ ክትሓርሲ ዘገድድ ህጹጽ እዋን ኣጋጢሙኪ:
- ኣብ ክንዲ እቲ ብታሕተዋይ ክፋል ሕቖኺ (ውሱን) ዝወሃብ መደንዘዚ ሓፈሻዊ መደንዘዚ እዩ ዝወሃበኪ;
- መደንዘዚ ምስተገብረልኪ መጻምድትኺ ጥራይ እዩ ምሳኺ ክኸውን ዝፍቀደሉ።