ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ዓይነታት ሕርሲ

ተፈጥሮኣዊ ሕርሲ

ኣብ እዋን ተፈጥሮኣዊ ሕርሲ፡ እቲ ዕሸል ብናይ ኣደኡ ርሕሚ ይውለድ። መብዛሕትኦም ህጻናት በዚ መንገዲ እዮም ዝውለዱ።

ተፈጥሮኣዊ ሕርሲ: ኣደ ንቖልዓ እናሓረሰት።

መጥባሕታዊ ሕርሲ: ብመጥባሕቲ ብኸብዲ ምውላድ

መጥባሕታዊ ሕርሲ ብመጥባሕቲ ብኸብዲ ምውላድ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ። እቲ ሓኪም ነቲ ቆልዓ ንምውጻእ ናይታ ኣደ ከብዲ ይጠብሖ። እቲ መጥባሕቲ ካብቲ ጸጉሪ ብልዕቲ ልዕል ኢሉ እዩ ዝካየድ።

 

መጥባሕታዊ ሕርሲ: ቆልዓ ንምውጻእ ኣብ ከብዲ መጥባሕቲ ዝገብር ሓኪም።

ቆልዓ ከብዲ ጠቢሕካ ክወጽእ ዝግበረሉ ምኽንያት

ከብዲ ጠቢሕካ ቆልዓ ክወጽእ ካብ ዘገድዱ ልሙዳት ምኽንያታት እቶም እተወሰኑ እዞም ዝስዕቡ እዮም:

  • ናይታ ኣደ ጎሎ ቆልዓ ንምውጻእ ኣዝዩ ዝጸብብ እንተኾይኑ;
  • እቲ መዳሕንቲ ኣብ ኣፍ ማህጸን (ክሳድ ማህጸን) እንተኾይኑ ዘሎ ወይ ከኣ እቲ መዳሕንቲ እንድሕር ተላቒቑ;
  • ክፋል ናይቲ ዕትብቲ በቲ ክሳድ ማህጸን ገይሩ እንድሕር ወጺኡ;
  • ርእሲ ናይቲ ዕሸል ንቑልቁል እንድሕር ዘይኮይኑ;
  • ካብ 1 ቆልዓ ንላዕሊ እንተሃልዮም;
  • ኣደ ወይ ከኣ እቲ ዕሸል ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ሕርሲ ክካየድ ዘየኽእል ሕማም እንተሃልዩዎም።