ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

መርፍእ መከላኸሊ ጥንሲ

ብመርፍእ ዝውሰድ መከላኸሊ ጥንሲ ሓደ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ

ብመርፍእ ዝውሰድ መከላኸሊ ጥንሲ 1 ሆርሞን ዝሓዘ እዩ። እዚ ሆርሞን ጽፍዮ-እንቋቑሖ ይከላኸል። ብተወሳኺ ዋህዮታት ፈሳሲ ወዲ-ተባዕታይ ናብቲ ማህጸን ከይኣትዉ ከቢድ ጸገም ይፈጥሩሎም ከምኡድማ ዋህዮ እንቋቑሖ ከይትከል ይኽልክል።

መርፍእ መከላኸሊ ጥንሲ

ብመርፍእ ዝውሰድ መከላኸሊ ጥንሲ ብኸመይ ይሰርሕ?

እዚ መርፍእ ን 3 ኣዋርሕ ይሰርሕ። በዚ ዝስዕብ መንገዲ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል:

  • ኣብተን ናይ መጀመርያ 5 መዓልቲታት ናይ ዑደትኪ፡ ሓኪምኪ፡ ናይ ማህጸን ሓኪም ወይ ከኣ ነርስ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ቅልጽምኪ ወይ ከኣ ኣብ መቐመጫኺ መርፍእ ይወግአኪ።
  • ድሕሪኡ ሓድሽ መርፍእ ንኽትውግኢ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ 3 ኣዋርሕ (12 ሰሙን) ናብ ሓኪም ስድራቤት/ኣቕራቢ ኣገልግሎት ጥዕና ክትከዲ ኣለኪ።

ሓኪም ንጓለንስተይቲ ብመርፍእ ዝውሰድ መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ መቐመጫኣ ወይ ከኣ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ቅልጽማ እናወግኣ።

ኣተኣማማኒ

ብመርፍእ ዝውሰድ መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ 3 ኣዋርሕ እንድሕር ተወጊእክዮ ኣተኣማማኒ እዩ። 

ኣተኣማማኒ

ኣብ ጥዕናኺ ዘስዕቦ ጉድኣት የለን

ብመርፍእ ዝውሰድ መከላኸሊ ጥንሲ 1 ሆርሞን ዝሓዘ እዩ። እዚ ሆርሞን ብሓፈሻ ኣብ ጥዕናኺ ዘስዕቦ ጸገም የለን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ምምራጽ ዝሓሸ እዩ። ምኽር ንምርካብ ንሓኪም ሕተቲ። 

እቲ መርፍእ ጽግያትኪ ከምዝንኪ ኣይገብርን። እንተድኣ ክትጠንሲ ደሊኺ፡ እቲ መርፍእ ኣቋርጽዮ። ይኹን እምበር፡ ዑደትኪ ናብ ንቡር ንኽምለስ ክሳዕ ቁሩብ ኣዋርሕ፡ ወይ ከኣ ክሳብ ዓመት ክወስደልኪ ይኽእል እዩ።

ብመርፍእ ዝውሰድ መከላኸሊ ጥንሲ ከም ሕማም ርእሲ፡ ዘይስሩዕ ወርሓዊ ጽግያት ከምኡ ድማ ሃንደበታዊ ረስኒ ኣጥባት ጎናዊ ሳዕቤናት ከኸትል ይኽእል። እቶም ጎድናዊ ሳዕቤናት እናበኣሱ እንተኾይዶም ንሓኪም ኣማኽሪ።

ወርሓዊ ጽግያትኪ ክብደቱ ክንኪን ፈጺሙ ከቋርጽን ይኽእል።

ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ኤችኣይቪን ግን ክከላኸል ኣይኽእልን

ብመርፍእ ዝውሰድ መከላኸሊ ጥንሲ ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ወይ ከኣ ኤች.ኣይ.ቪ ክከላኸለልኪ ኣይልእልን። ኮንዶም ጥራይ እዩ ክከላኸለልክን ዝኽእል።

ኮንዶም

ብመርፍእ ዝውሰድ መከላኸሊ ጥንሲ ምዕዳግ

ብመርፍእ ዝውሰድ መከላኸሊ ጥንሲ ንሓደ መርፍእ ኣስታት €15 ይውድእ። እዚ ሓኪም/ወሃቢ ኣገልግሎት ጥዕና ንዝህበኪ ነቲ መርፍእ ናይ ምውጋእ ኣገልግሎት እውን የጠቓልል እዩ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ 3 ኣዋርሕ ሓድሽ መርፍእ ንክትውግኢ ናብ ሓኪም ወይ ከኣ ናብ ኣቕራቢ ኣልግሎት ጥዕና ክትከዲ ኣለኪ።

ዋግኡ ክንደይ እዩ?

ዕድሜኺ 21 ዓመት ክሳዕ ትገብሪ፡ መብዛሕትኦም ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ብናይ ጥዕና መድሕንኪ ዝሽፈኑ እዮም። ይኹን እምበር፡ መጀመርያ ካብቲ ናይ ጥዕና መድሕን ፖሊሲኺ ክኸፍለልኪ ዝኽእል መጠን ንላዕሊ (eigen risico) ዝኾነ ክፍሊት ክትከፍልዮ ኣለኪ። ክንደይ ዝኣክል ሽፋን ከምእትረኽቢ ንምፍላጥ ናብቲ ናይ ጥዕና መድሕን ዝኣተወልኪ ብምኻድ ኣረጋግጺ። ካብ 21 ዓመት ዕድመ ንዳሓር፣ ተወሳኺ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ መድሕን እንድሕር ሃልዩኪ ጥራይ እዩ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ሽፋን ክትረኽቢ ትኽእሊ።