ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ምምራጽ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ

ንዓኺን ንደረጃ ህይወትኪን ዝሰማመዓኪ ዝበለጸ ሜላ መከላኸሊ ጥኝሲ ትመርጺ። እትጥቀምሉ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ጉዕዞ ህይወትኪ ክቀያየር ይኽእል እዩ። ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ክትመርጺ እንከለኺ እንታይ ዓይነታት ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ከምዘለዉን ነንገዛእ-ርእስኺ እንታይ ዓይነት ሕቶታት ክትሓቲ ከምዘለኪን ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ። እቲ ምርጫ ናትኪ እዩ። ሓኪምኪ እውን ከማርጸኪ ይኽእል እዩ።

እቲ ዝበለጸ ምሳኺ ዝሳነ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ንምምራጽ፡ ንገዛእ-ርእስኺ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ሕተቲ:

  • ዕድመይ ክንደይ እዩ?
    መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ኣዝየን ጸገይቲ እየን። ዘተኣማምን ሜላ ምምራጽ ኣገዳሲ እዩ።
  • ረሳዒት ድየ?
    ዘይስሩዕ ሰዓታት ዘለዎ ስራሕ ኣለኒ ድዩ?
    ሓርኮትኮት ዝበዝሖ ናብራ ድየ ዝመርሕ ዘለኹ?
    ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀሚ እንከለኺ ብተደጋጋሚ ምዝካር የድልየኪ።
  • መጻምድቲ ቀቀልጢፈ ይቐያይር ድየ?
    መጻምድቲ ቀቀልጢፍኪ ትቐያይሪ እንተኰይንኪ ብጾታዊ-ርክብ ንዝመሓላለፉ ረኽሲታትናይ ምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋኺ ይውስኽ። ገዛእ-ርእስኺ ካብ ብጾታ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ተኸላኸሊ
  • ሓለሓሊፈ ድየ ጾታዊ-ርክብ ዝፍጽም?
    ኣብታ ጾታዊ-ርክብ ክትፍጽሙ እትሓስቡላ ህሞት ጥራይኮንዶምናይ ደቂ-ኣነስትዮ ኮንዶም ወይ ድማ ዲያፍራም ትጥቀሙ። ብተወሳኺ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና (morning after pill) ኣብ ገዛኺ ምቕማጥኪ ኣረጋግጺ።
  • የትክኽ ድየ? ልዕሊ ዓቐን ክብደት ኣለኒ?
    ሆርሞናት ዝሓዙ ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ፡ ሽጋራ እናትከኽኪ ወይ ከኣ ልዕሊ ዓቐን ክብደት እናሃለወኪ ክጥቀምሎም እንከለኺ ኣብ ጥዕናኺ ጸገም ናይ ምፍጣር ተኽእሎኦም ክብ ይብል።
  • ገንዘባዊ ኩነታተይ ኣጸጋሚ ድዩ?
    ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ካብ ካልኦት ብዝሓሰረ ዋጋ ይዕደጉ።
  • ሃይማኖተይ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ዝብሎ ገለ ነገር ኣሎዶ፡ እሞኸ እዚ ንዓይ ኣገዳሲ ድዩ?
  • ብዛዕባ ዝጥቀመሉ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ንመጻምድተይ ወይ ንቤተ-ሰበይ ከፍልጥዶ ይደሊ?
    ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ብዓይኒ ኣይረኣዩን።
  • ወርሓዊ ጽግያተይ (ደም ምኻድ) ክቕጽል ይደሊ ድየ? ስሩዕ ዑደት ክህልወኒዶ ክፎቱ ይኽእል?
    ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ዑደትኪ ስሩዕ ክኸውን ይሕግዙ። ካልኦት ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ከኣ፡ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ግዜኺ ከዛብዑልኪን ድሕሪ ግዜ ከኣ ከቋርጹልኪን ይኽእሉ።
  • እቲ ሓኪም መከላኸሊ ጥንሲ መድሃኒተይ ወይ ከኣ መሳርሒየይ ክወግኣኒ ወይ ክስዅዓለይ እንከሎ ስኽፍ ይብለኒ ድዩ?
    ኣብ ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ናይ ሓኪም ደገፍ የድልየኪ፡ ኣብ ገሌኦም ድማ ኣየድልየክን።

ካብ ብዓል-ሞያ ጥዕና ምኽሪ ሕተቲ። ብተወሳኺ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ምስ መጻምድትኺ ተዛተዪ። ኣብ መከላኸሊ ጥንሲ ክልቲኦም መጻምድቲ ሓላፊነት ኣለዎም። ብሓባር ናብ ብዓል-ሞያ ጥዕና ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።

ገለ ሜላ ንዓኺ እንተዘይሰሪሑልኪ፡ ክልእ ክትመርጺ ትኽእሊ ኢኺ። ንኣብነት: ኣካላትኪ ጽቡቕ ይስመዓኪ እንተዘይሃልዩ፡ ጎድናዊ ሳዕቤናት እንተሃልዮምዎ፡ መጻምድትኺ እንድሕር ዘይተስማዕሚዕሉ፡ ወይ ከኣ ኣዝዩ ክባር እንተኾይኑ።