ናይ ነሓስ IUD
ናይ ነሓስ IUD ሓደ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ።
ናይ ነሓስ IUD T-ቅርጺ ዘለዎ ፕላስቲክ ትቦ ኮይኑ ናይ ነሓስ ፈትሊ ዝሓዘ እዩ።
ብ 2 መንገዲታት ጥንሲ ይከላኸል:
- እቲ ነሓስ እቶም ዋህዮታት ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ ከይንቀሳቐሱ ይዓግቶም ከም ድማ ጽግያት ይከላኸል።
- ብተወሳኺ እቲ ነሓስ ተኸላ ዋህዮ እንቋቑሖ ይኽልክል።
ናይ ነሓስ IUD
ናይ ነሓስ IUD ብኸመይ እዩ ዝሰርሕ?
ሓኪም፡ መሕረሲት ወይ ከኣ ናይ ማህጸን ሓኪም እቲ ናይ ነሓስ IUD ናብ ማህጸን እታ ጓለንስተይቲ ኣብተን ናይ መጀመርያ 12 መዓልቲታት ዑደታ የእትዎ። ቃንዛ ክህልዎ ስለዝኽእል፡ ጸረ-ቓንዛ ክወሃበኪ ይኽእል እዩ።
እቲ ናይ ነሓስ IUD ካብ 5 ክሳዕ 10 ዓመት የገልግል። ድሕሪ እዚ ግዜ ክትካእ የድሊ።
እቲ IUD ምስ ተሰኹዐ፡ 1 ወይ ከኣ 2 ሓጸርቲ ፈትሊታት ካብ ማህጸን ወጻኢ ይተርፉ። ኣብ ውሽጢ ርሕሚ ጠሊቖም ይቕመጡ፡ ኣብኡ ምህላዎም እውን ይፍለጠኪ እዩ። እዚ ማለት እቲ IUD ኣብ ቦትኡ ምህላዉ ንምርግጋጽ ኩሉ ግዜ ክትፍትሽዮ ትኽእሊ ኢኺ እዩ።
ናይ ጓለነስተይቲ ጎሎ ብደቂቕ: 1. ናይ ነሓስ IUD፡ 2. ማህጸን፡ 3. ርሕሚ፡ 4. መሃንቱስ ከምኡ ድማ 5. ሻምብቆ ሽንቲ።
ጠጠው ዝበለት ሰበይቲ። እቲ ጠመተ ኣብ ውሽጣዊ ጾታዊ ናውቲ ኣካላት እዩ።
ኣብ ማህጸን ዝተቐመጠ ነሓስ IUD። 1 ወይ ከኣ 2 ሓጸርቲ ፈትሊታት ካብ ማህጸን ወጻኢ ይተርፉ። ኣብ ውሽጢ ርሕሚ ጠሊቖም ይቕመጡ።
ኣመና ኣተኣማማኒ
ናይ ነሓስ IUD ኣመና ኣተኣማማኒ እዩ።
ኣመና ኣተኣማማኒ
ኣብ ጥዕናኺ ዘስዕቦ ጉድኣት የለን
ናይ ነሓስ IUD ሆርሞናት ዝሓዘ ኣይኮነን።
ናይ ነሓስ IUD ጽግያትኪ ከምዝንኪ ኣይገብርን። እንተድኣ ክትጠንሲ ደሊኺ፡ ነቲ IUD ትኣልዮ።
ወርሓዊ ጽግያትኪ ቁሩብ ክብድ ዝበለን ዘቐንዙን ክኸውን ይኽእል።
ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ኤችኣይቪን ግን ክከላኸል ኣይኽእልን
ናይ ነሓስ IUD ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ወይ ከኣ ኤች.ኣይ.ቪ ክከላኸለልኪ ኣይክእልን። ኮንዶም ጥራይ እዩ ክከላኸለልክን ዝኽእል።
ኮንዶም
ናይ ነሓስ IUD ዋጋ
ሓኪም ወይ ከኣ መሕረሲት ነቲ ናይ ነሓስ IUD ካብ ኣስታት €47 ክሳዕ €120 ብዝበጽሕ ዋጋ ከገብሩልኪ ይኽእሉ። ከከም ዓይነት እቲ ኣቕሓ፡ ናይ ነሓስ IUD ንምውሳድ ካብ 5 ክሳዕ 10 ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ሓኪም ወይ ከኣ ናብ መሕረሲት ትምለሲ።
ዕድሜኺ 21 ዓመት ክሳዕ ትገብሪ፡ መብዛሕትኦም ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ብናይ ጥዕና መድሕንኪ ዝሽፈኑ እዮም። ይኹን እምበር፡ መጀመርያ ካብቲ ናይ ጥዕና መድሕን ፖሊሲኺ ክኸፍለልኪ ዝኽእል መጠን ንላዕሊ (eigen risico) ዝኾነ ክፍሊት ክትከፍልዮ ኣለኪ። ክንደይ ዝኣክል ሽፋን ከምእትረኽቢ ንምፍላጥ ናብቲ ናይ ጥዕና መድሕን ዝኣተወልኪ ብምኻድ ኣረጋግጺ። ካብ 21 ዓመት ዕድመ ንዳሓር፣ ተወሳኺ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ መድሕን እንድሕር ሃልዩኪ ጥራይ እዩ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ሽፋን ክትረኽቢ ትኽእሊ።
ዋግኡ ክንደይ እዩ?