ኣብ ቈርበት ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ
እቲ ኣብ ቆርበት ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ ሓደ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ።
እዚ ክንዲ ዕንጸይቲ ክርቢት ዝኸውን ንእሽተይ ተለዋዋዪ ዕንጸይቲ እዩ። 1 ሆርሞን ዝሓዘ እዩ። እዚ ሆርሞን ጽፍዮ-እንቋቑሖ ይከላኸል። ከምኡ’ውን ዋህዮታት ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ ናብቲ ኣብ ክሳድ ማህጸን ዝርከብ ልፋጫዊ መምብራና ከይበጽሑ ከቢድ ጸገም ይፈጥረሎም። ብተወሳኺ ማህጸን ንተኸላ ዋህዮ እንቋቑሖ ዘይምቹእ ይገብሮ።

ኣብ ቈርበት ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ
እቲ ኣብ ቈርበት ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ ብኸመይ ይሰርሕ?
ብዓል-ሞያ ሓፈሻዊ ጥዕና፡ መሕረሲት ወይ ከኣ ናይ ማህጸን ሓኪም ክሰዅዓልኪ እዩ። ንውሱን ክፋል ኣካላት ጥራይ ዘደንዝዝ መደንዘዚ ይግበረልኪ’ሞ እቲ ዕንጸይቲ ኣብ ትሕቲ ቆርበት ብሸነኽ ዉሽጢ ናይ ላዕለዋይ ቅልጽምኪ ይስኳዕ። እዚ ዳርጋ ካብ ቃንዛ ናጻ እዩ።
እዚ ኣብ ቈርበት ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ ን 3 ዓመት ይሰርሕ። ድሕሪ 3 ዓመት ክትካእ የድሊ። ልዕሊ ሚዛን ክብደት ምስ ዝህልወኪ ኣተኣማማኒ መታን ክኸውን ነቲ ኣብ ቈርበት ዝስኳዕ ድሕሪ 2 ዓመት ክትቅይርዮ ትምከሪ፡ ነዚ ምስ ሓኪምኪ ተላዘብሉ።

ሓኪም ነዚ ኣብ ቈርበት ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ላዕለዋይ ቅልጽም ጓለንስተይቲ የእትዎ።
ኣመና ኣተኣማማኒ
እቲ ኣብ ቈርበት ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ ብግቡእ እንድሕር ተጠቒምክሉ ኣዝዩ ኣተኣማማኒ እዩ። ጥንሲ ናይ ምስዓብ ስግኣተ-ሓደጋኡ ኣስታት 1 ካብ 2,000 እዩ።
ኣመና ኣተኣማማኒ
ኣብ ጥዕናኺ ዘስዕቦ ጸገም የለን
እቲ ኣብ ቈርበት ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ 1 ሆርሞን ዝሓዘ እዩ። እዚ ሆርሞን ብሓፈሻ ኣብ ጥዕናኺ ዘስዕቦ ጸገም የለን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ምምራጽ ዝሓሸ እዩ። ምኽሪ ንምርካብ ንሓኪም ሕተቲ።
እቲ ኣብ ቈርበት ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ ጽግያትኪ ከምዝንኪ ኣይገብርን። እንተድኣ ክትጠንሲ ደሊኺ፡ ነቲ ኣብ ቈርበት ዝስኳዕ እለይዮ።
ነዚ ኣብ ቈርበት ዝስኳዕ ኣብ እትጥቀምለን ናይ መጀመርያ ኣዋርሕ፡ ከም ሃንደበታዊ ረስኒ ኣጥባት፡ ሕምም ርእሲ ከምኡ ድማ ዘይስሩዕ ወቕቲታት ወርሓዊ ጽግያት ዝኣመሰሉ ጎድናዊ-ሳዕቤናት ከጋጥሙኺ ይኽእሉ እዮም። እዞም ሳዕቤናት ኩሉ ግዜ ባዕሎም እዮም ዝጠፍኡ። ክጠፍኡ እንተዘይክኢሎም፡ ንሓኪም ኣማኽሪ።
ወርሓዊ ጽግያትኪ ክብደቱ ክንኪን ፈጺሙ ከቋርጽን ይኽእል። ገለ ደቂ-ኣንስትዮ እቲ ወርሓዊ ጽግያት ይኸብደን። ካልኦት ከኣ ዘይስሩዕ ወርሓዊ ጽግያት ወይ ከኣ ኣብ መንጎ 2 ወቕታዊ ጽግያት ደም ይሰፈን።
ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ኤችኣይቪን ግን ክከላኸል ኣይኽእልን
እቲ ኣብ ቈርበት ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ ብጾታዊ-ርክብ ዝሓላለፉ ረኽሲታት ወይ ከኣ ኤች.ኣይ.ቪ ኣይከላኸልን። ኮንዶም ጥራይ እዩ ክከላኸለልክን ዝኽእል።
ኮንዶም
ኣብ ቈርበት ናይ ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ ዋጋ
ሓኪም፡ መሕረሲት ወይ ከኣ ናይ ማህጸን ሓኪም ነቲ ኣብ ቈርበት ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ ብኣስታት €140 – € 200 ክሰዅዓልኪ ይኽእል። ድሕሪ 3 ዓመት ሓድሽ መከላኸሊ ጥንሲ ንምስኳዕ ናብ ሓኪም ክትምለሲ ኣለኪ። ልዕሊ ሚዛን ክብደት ምስ ዝህልወኪ ኣተኣማማኒ መታን ክኸውን ነቲ ዝስኳዕ ድሕሪ 2 ዓመት ክትቅይርዮ ትምከሪ፡ ነዚ ምስ ሓኪምኪ ተመያየጥሉ።
ዕድሜኺ 21 ዓመት ክሳዕ ትገብሪ፡ መብዛሕትኦም ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ብናይ ጥዕና መድሕንኪ ዝሽፈኑ እዮም። ይኹን እምበር፡ መጀመርያ ካብቲ ናይ ጥዕና መድሕን ፖሊሲኺ ክኸፍለልኪ ዝኽእል መጠን ንላዕሊ (eigen risico) ዝኾነ ክፍሊት ክትከፍልዮ ኣለኪ። ክንደይ ዝኣክል ሽፋን ከምእትረኽቢ ንምፍላጥ ናብቲ ናይ ጥዕና መድሕን ዝኣተወልኪ ብምኻድ ኣረጋግጺ። ካብ 21 ዓመት ዕድመ ንዳሓር፣ ተወሳኺ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ መድሕን እንድሕር ሃልዩኪ ጥራይ እዩ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ሽፋን ክትረኽቢ ትኽእሊ።
ዋግኡ ክንደይ እዩ?