ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ኮንዶም

ኮንዶም ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ። ኮንዶም ናብ መትሎ ዝኣቱ ካብ ጎማ ዝተሰርሐ ረቂቕ ካልሲ እዩ። እቲ ወዲ-ተባዕታይ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ክፍኑ እንከሎ ነቲ ዘርኢ የዕቑሮ።

ኮንደማት ከከም ርጉዲ ናይ መትሎታት ብዝተፈላለየ ዓቐን እዮም ዝዳለዉ። እቲ ኮንዶም ኣዝዩ ክሰጥም ወይ ከኣ ክልሕልሕ የብሉን።

ኮንዶም

ኣተኣታትዋ ኮንዶም

መትሎኹም ናብ ርሕሚ ቅድሚ ምእታውኩም ኮንዶም ግበርሉ። ከምዚ ዝስዕብ ግበር፡-

  • ናይ ኣገልግሎት ግዜኡ ሕጂውን ከምዘይሓለፈ ኣረጋግጹ። ኣብ ሽፋኖም ናይ CE ደረጃ ብቕዓት ዝተጠቀዐሎም ኮንደማት ጥራይ ተጠቐም።
  • ነቲ ከረጢት በቲ ሕርሓር መሰረት ቀዲድኩም ክፈትዎ። ብመቐስ፡ ካራ ወይ ከኣ ብስንኻ ኣይትኽፈቶ፡ ከምኡ ድማ ብኣጽፋርካ ከይተንኩሎ ተጠንቀቕ። እቲ ኮንዶም ክቕደድ ይኽእል እዩ።
  • መትሎኹም ዘይተኸንሸበ እንተኾይኑ ንቆርበት ርእሲ መትሎኹም ንድሕሪት ክበስዎ። ናይቲ ኮንዶም ጫፍ፡ መትሓዚ ንናይ ዘርኢ ፈሳሲኹም ዝኸውን ቦታ መታን ክህልዎ፡ ጸቒጥኩም ሓዝዎ’ሞ፡ ካብኡ ናብ ርእሲ መትሎኹም ኣጸግዕዎ። እቲ መትሎ ክተርር ኣለዎ (ክቐንዕ ኣለዎ)።
  • እቲ ዝተጠቕለለ ጥርዚ ናይቲ ኮንዶም ብላዕሊ ከምዘሎ ኣረጋግጹ። ሽዑ እቲ ኮንዶም መታን ከይሸቱኽ እቲ ጥቕላል ናይቲ ኮንዶም ክሳዕ እግሪ መትሎኻ እናዘርጋሕካ ኣእትዎ።
  • ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ምስ ኣፍሰስካ ነቲ ኮንዶም ካብ መትሎኻ ኣውጽኣዮ። መትሎኻ ብቕኑዑ እናሃለወ ኢኻ ከምዚ ትገብር።
  • ነቲ ኮንዶም በቲ ከፈፉ ሓዞ ከምኡ ድማ ናይ ዘርኢ ፈሳሲኻ ካብቲ ኮንዶም ከይልሑኽ ተጠንቀቕ።
  • ነቲ ኮንዶም ኣብ ጥቓ ኣፉ ቁጸርዎ። እዚ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ከይልሑኽ ይከላኸል። ነቲ ዝተጠቐምኩምሉ ኮንዶም ናብ ናይ ጉሓፍ ሰንኬሎ ደርብይዎ።

ናይ ኣገልግሎት ግዜኡ ሕጂውን ከምዘይሓለፈ ኣረጋግጹ። ኣብ ሽፋኖም ናይ CE ደረጃ ብቕዓት ዝተጠቀዐሎም ኮንደማት ጥራይ ተጠቐም።

ነቲ ከረጢት በቲ ሕርሓር መሰረት ቀዲድኩም ክፈትዎ።

ናይቲ ኮንዶም ጫፍ፡ መትሓዚ ንናይ ዘርኢ ፈሳሲኹም ዝኸውን ቦታ መታን ክህልዎ፡ ጸቒጥኩም ሓዝዎ’ሞ፡ ካብኡ ናብ ርእሲ መትሎኹም ኣጸግዕዎ።

እቲ ዝተጠቕለለ ጥርዚ ናይቲ ኮንዶም ብላዕሊ ከምዘሎ ኣረጋግጹ። እቲ ኮንዶም ኣብ እዋን ጾታዊ-ርክብ መታን ከይሸቱኽ እቲ ጥቕላል ናይቲ ኮንዶም ክሳዕ እግሪ መትሎኻ እናዘርጋሕካ ኣእትዎ።

ብድሕሪ’ዚ፡ እቲ ኮንዶም ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ድሉው ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ።

ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ምስ ኣፍሰስካ መትሎኻ ንድሕሪት ሰሓቦ። መትሎኹም ብቕንዑ እናሃለወ ኢኹም ነቲ ኮንዶም ብኸፈፉ ሒዝኩም ከተውጽእዎ ዘለኩም።

ነቲ ኮንዶም እለዮ። ነቲ ኮንዶም በቲ ከፈፉ ሓዞ ከምኡ ድማ ናይ ዘርኢ ፈሳሲኻ ካብቲ ኮንዶም ከይልሑኽ ተጠንቀቕ።

ነቲ ኮንዶም ኣብ ጥቓ ኣፉ ቁጸርዎ። እዚ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ከይልሑኽ ይከላኸል። ነቲ ዝተጠቐምኩምሉ ኮንዶም ናብ ናይ ጉሓፍ ሰንኬሎ ደርብይዎ።

ነቲ ኮንዶም ሓደ ግዜ ጥራይ ተጠቐምሉ።

ኣብ ሓደ ግዜ 2 ኮንዶም ኣይትጠቐሙ። እቶም ኮንዶማት ክቕደዱ ይኽእሉ እዮም።

ነቲ ኮንዶም ኣብ ማይ መሰረት ዝገበሩ መለሳለስቲ ቅብኣታት ጥራይ ተጠቐም።

ብግቡእ እንድሕር ዘይተጠቒምክሉ ኣተኣማምነቱ ይንኪ

ኮንዶም ብግቡእ እንተተጠቒምካሉ፡ ዘተኣማምን ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብዙሕ ግዜ ኮንዶም በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኣገባባት መሰረት ኣይኰነን ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል። ኣብ ከምኡ ኣጋጣሚ፡ እቲ ኮንዶም ኣድማዒነቱ ይንኪ። 

ኣተኣማምነቱ ትሑት

ምክልኻል ኤች.ኣይ.ቪን ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን

ኮንዶም ኤች.ኣይ.ቪ ከምኡ ድማ ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ንምክልኻል እውን ኣብ ጥቕሚ ይውዕል።

ኮንዶም ከምኡ ድማ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ኮንዶም እቶም ብኤች.ኣይ.ቪ ንኽይትልከፉ ክከላኸሉን ንስግኣተ-ሓደጋ ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ከጕድሉን ዝኽእሉ እንኮ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ እዮም።

ብሓባር ሓላፍነት ምስካም

ክልቲኦም መጻምድቲ ኮንዶም ናይ ምጥቃም ሓላፍነት ኣለዎም። ብዛዕባኡ ምስ መጻምድትኻ/ኺ ተዘራረቡ

መጻምዲ ኣብ ዓራት ተጋዲሞም ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ይዘራረቡ።

ኮንዶም ምዕዳግ

ኮንዶም ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ካብ ቤት-መሸጣ መድሃኒት፡ ካብ ቀማማይ ወይ ከኣ ካብ ዓቢ ድኳን ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ገለ እዋናት ከኣ ኣብ ባራትን ኣብያተ-ለይታዊ ትልሂትን ወይ ኣብ መሸጢ መሸያየጢት ማሽን ክትረክብ ትኽእል። ኮንዶም ካብ ኢንተርነት እውን ክትዕድጉ ትኽእሉ።

ናይ ኮንዶም ዋጋ ካብ 0.20 ክሳዕ 0.90 ዩሮ ይበጽሕ። ንኣብነት ፍሉያት ኮንዶማት፡ ዋጋኦም ክብር ዝበለ እዩ።

ኣብ ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዕቑባ ካብቲ ማእከል ጥዕና ኮንዶም ብናጻ ክወስዱ ይኽእሉ።

STI Aids Netherlands ብዛዕባ ኮንዶምን ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ሓበሬታ ዝሓዘ በራሪ ወረቓቕቲ ብእተፈላለዩ ቋንቋታት ኣዳልዮ ኣሎ። እቲ በራሪ ወረቓቕቲ ካብ መርበብ ሓበሬታኦም ምውራድ ወይ ዳውንሎድ ምህባር ይካኣል እዩ።

 

ዋግኡ ክንደይ እዩ?