ዳያፍራም
እቲ ዳያፍራም ሓደ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ ።
እቲ ዳያፍራም ተለዋዋያይ ከፈፍ ዘለዎ ናይ ሲልከን መኽደን እዩ። ንኣፍ ማህጸን (ክሳድ ማህጸን) ብምዕጻው እቶም ዋህዮታት ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ ምስ ዋህዮ እንቋቑሖ ከይራኸቡ ይኽልክል።
ዳያፍራም ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ካብ ቤት-መሸጣ መድሃኒት ክትዕድጊ ትኽእሊ ኢኺ።
Caya፡ ብ 1 ደረጃኡ ዝሓለወ ዓቐን ጥራይ ይዳለው
ንዲያፍራም ብኸመይ ትጥቀምሉ?
ቅድሚ ርሕምኽን ብመትሎ ምስንጣቑ፡ ነቲ ዲያፍራም ኣብ ውሽጢ ርሕምኽን ግበራኦ። ከምዚ ዝስዕብ ግበር፡-
- ፍሉይ ጀል (ጸረ-ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ) ኣብ ኵሉ ወገን እቲ ዳያፍራም ግበሪ። ፍሉይ ጀል ዘይብሉ ዲያፍራም ዘተኣማምን ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ።
- እንተበዝሐ 2 ሰዓታት ቅድሚ ጾታዊ-ርክብ ምፍጻምኪ ነቲ ዳያፍራም ጸቒጥኪ ሓዝዮን ስዅዕዮን።
- ነቲ ዳያፍራም ኣጸቢቕኪ ናብ ውሽጢ ርሕሚ ብምእታው ኣብ ኣፍ ማህጸን ከምዝኸውን ግበርዮ። ልዕሊ 2 ሰዓት ቅድሚ ጺታዊ-ርክብ ምፍጻምኪ ክስኳዕ የብሉን። እቲ ጎድጓድ ወገን ናይቲ ዳያፍራም ናብቲ ማህጸን ገጽ ጌርኪ ሓዝዮ። እቲ ክሳድ ማህጸን ናይ ግድን ክሽፈን ኣለዎ።
- እቲ ዳያፍራም ድሕሪ ምፍናው ፈሳሲ ዘርኢ ካብ 6 ክሳዕ 24 ሰዓታት ኣብ ዘሎ ግዜ እለይዮ። ንታሕቲን ንደገን ኣነቓንቕዮ።
- ብውዑይ ማይ ሓጺብኪ ኣንቅጽዮ።
ናይ ጓለነስተይቲ ጎሎ ብደቂቕ: 1. ዲያፍራም፡ 2. ማህጸን፡ 3. ርሕሚ፡ 4. መሃንቱስ ከምኡ ድማ 5. ሻምብቆ ሽንቲ።
ፍሉይ ጀል (ጸረ-ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ) ኣብ ኵሉ ወገን እቲ ዳያፍራም ግበሪ። እቲ ጀል እቶም ዋህዮታት ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ ከይንቀሳቐሱ ይዓግቶም።
ነቲ ዲያፍራም ብሓንሳብ ጸቒጥኪ ብምሓዝ ናብቲ ዉሽጢ ርሕሚ ኣእትዉዮ።
እቲ ጎድጓድ ወገን ናይቲ ዳያፍራም ናብቲ ማህጸን ገጽ ጌርኪ ሓዝዮ።
ነቲ ዳያፍራም ኣጸቢቕኪ ናብ ውሽጢ ርሕሚ ብምእታው ኣብ ኣፍ ማህጸን ከምዝኸውን ግበርዮ። እቲ ክሳድ ማህጸን ናይ ግድን ክሽፈን ኣለዎ።
እቲ ዳያፍራም ተሰዂዑ ኣሎ።
እቲ ዳያፍራም ኣብ እዋን ጾታዊ-ርክብ እውን ኣብ ቦትኡ ይጸንሕ። ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ንሽዱሽተ ሰዓታት ዝኣክል ኣብ ቦታኡ ክጸንሕ ትገድፍዮ።
እቲ ዳያፍራም ንታሕቲን ንላዕልን ብምንቕናቕ እለይዮ።
ብውዑይ ማይ ሓጺብኪ ኣንቅጽዮ።
ብግቡእ እንድሕር ዘይተጠቒምክሉ ኣተኣማምነቱ ይንኪ
እቲ ዳያፍራም ብግቡእ እንድሕር ተጠቒምክሉ፡ ኣዝዩ ኣተኣማማኒ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ። ይኹን እምበር፡ ዳያፍራም ብዙሕ ግዜ ብመሰረት እቲ ኣብ ላዕሊ ዝቐረበ መንገዲ ኣብ ጥቕሚ ኣይውዕልን። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ፡ ኣተኣማምነቱ ኣዝዩ ትሑት ይኸውን።
እቲ ዳያፍራም ኣብተን ድሕሪ ሕርሲ ዘለዋ ናይ መጀመርያ 6 ሰሙን ክትጥቀምሉ የብልክን። ምኽሪ ንምርካብ ንሓኪም ሕተቲ።
ኣተኣማምነቱ ትሑት
ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ኤችኣይቪን ግን ክከላኸል ኣይኽእልን
እቲ ዳያፍራም ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ወይ ከኣ ኤች.ኣይ.ቪ ክከላኸለልኪ ኣይክእልን። ኮንዶም ጥራይ እዩ ክከላኸለልክን ዝኽእል።
ኮንዶም
ዳያፍራም ምዕዳግ
ዋግኡ ክንደይ እዩ?
Caya ብ 1 ደረጃኡ ዝሓለወ ዓቐን ዝዳሎ ዳያፍራም እዩ። ዋግኡ ከኣ ካብ € 30 ክሳብ € 35 ይበጽሕ። ትቦ ጸረ-ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ ዋግኡ ካብ € 8 ክሳብ € 10 ይበጽሕ። ናይ ሓኪም ትእዛዝ ኣየድልየኪን እዩ።