ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ጥንሲ ዝከላኸል ዝልጠፍ ፕላስተር

እቲ ኣብ ቆርበት ዝጠብቕ ጥንሲ ዝከላኸል ፕላስተር ሓደ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ

እቲ ኣብ ቆርበት ዝጠብቕ ጥንሲ ዝከላኸል ፕላስተር ረቂቕ ዓጓ ተጣባቒ ፕላስተር እዩ። ልክዕ ከምቲ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና 2 ሆርሞናት ሒዙ ይርከብ። እዞም ሆርሞናት ጽፍዮ-እንቋቑሖ ይከላኸሉ። ብተወሳኺ ዋህዮታት ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ ናብቲ ኣብ ክሳድ ማህጸን ዝርከብ ልፋጫዊ መምብራና ንኸይበጽሑ ከቢድ ጸገም ይፈጥርሎም። ሽዑ እቶም ዋህዮታት ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ ናብቲ ማህጸን ኣትዮም ምስቲ ዋህዮ እንቋቑሖ ከይራኸቡ ጸገማይ ይህልዉዎም። ብተወሳኺ እቶም ሆርሞናት ንተኸላ ዋህዮ እንቋቑሖ እውን የተዓናቕፉ።

ጥንሲ ዝከላኸል ዝልጠፍ ፕላስተር

ኣጠቓቕማ ኣብ ቆርበት ዝጠብቕ ጥንሲ ዝከላኸል ፕላስተር

ነቲ ዝጠብቕ ፕላስተር ብኸምዚ ዝስዕብ ተጠቐምሉ:

  • ነቲ ከረጢት በቲ ሕርሓር መሰረት ቀዲድኩም ክፈትዎ።
  • ነቲ መዐሺግኡ ክፈትዮ።
  • ነቲ ዝጠብቕ ፕላስተርን መሸፈኒ ፕላስቲኩን ልሒጽኪ ካብቲ ከረጢት ፍለይዮ።
  • ፍርቂ እቲ ናይ ፕላስቲክ ሽፋን ልሓጾ። 
  • እቲ ዝጠብቕ ፕላስተር ኣብ ከብድኺ፡ መቐመጫኺ፡ ሕቖኺ፡ እንግድዓኺ ወይ ከኣ ኣብ ላዕለዋይ ቅልጽምኪ፡ ኣብ ንቑጽ፡ ጽሩይ ቆርበት ኣጣብቕዮ።
  • እቲ ተጣባቓይ ገጽ ናይቲ ዝጠብቕ ፕላስተር ናብ ቆርበትኪ ኣጣብቕዮ፡ እቲ ዝተረፈ መሸፈኒ ፕላስቲክ ከኣ ኣወግድዮ። እቲ ዝጠብቕ ፕላስተር ብላዕሊኡ ኣትሪርኪ ጽቐጥዮ።
  • እቲ ዝጠብቕ ፕላስተር ን 7 መዓልቲ (1 ሰሙን) ተለጢፉ ክቕኒ ኣለዎ። ነቲ ዝጠብቕ ፕላስተር ኣወግድዮ።
  • ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ እቲ ሰሙን ሓድሽ ግበሪ (ንኣብነት: ረቡዕ) ኣብቲ 2ይን 3ይን ሰሙን;
  • ኣብቲ 4ይ ሰሙን ዝጠብቕ ፕላስተር ኣይትጥቀሚን ኢኺ። ኣብቲ ሰሙን እቲ፡ ደም ክፈሰኪ (ወርሓዊ ጽግያት) ክጅምር እዩ። ኣብቲ ሰሙን እቲ እውን ውሕስቲ ኢኺ።
  • ድሕሪ 7 መዓልቲ (1 ሰሙን) ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ እቲ ሰሙን ሓድሽ ዝጠብቕ ፕላስተር ትጥቀሚ (ንኣብነት: ረቡዕ)፡ ዋላ ደም ምፍሳስ እንተዘይሓደገኪ።
  • ነቶም ኣቐዲሞም ዝተገልጹ ቀደም-ተኸተል ድገሚ።

ነቲ ከረጢት በቲ ሕርሓር መሰረት ቀዲድኩም ክፈትዎ።

ነቲ መዐሺግኡ ክፈትዮ።

ነቲ ዝጠብቕ ፕላስተርን ነቲ መሸፈኒ ፕላስቲክን ልሒጽኪ ካብቲ ከረጢት ፍለይዮ።

ፍርቂ እቲ ናይ ፕላስቲክ ሽፋን ልሓጾ።

እቲ ዝጠብቕ ፕላስተር ኣብ ከብድኺ፡ መቐመጫኺ፡ ሕቖኺ፡ እንግድዓኺ ወይ ከኣ ኣብ ላዕለዋይ ቅልጽምኪ፡ ኣብ ንቑጽ፡ ጽሩይ ቆርበት ኣጣብቕዮ። ኣብቲ ዝጠብቕ ፕላስተር ዝገበርክሉ ክፋል ኣካላትኪን ከባኡን ዝኾነ ክሬም፡ ዘይቲ፡ ሎሺን ወይ ከኣ መጸባበቒ ክትገብሪ የብልኪን።

እቲ ተጣባቓይ ገጽ ናይቲ ዝጠብቕ ፕላስተር ናብ ቆርበትኪ ኣጣብቕዮ፡ እቲ ዝተረፈ መሸፈኒ ፕላስቲክ ከኣ ኣወግድዮ። እቲ ዝጠብቕ ፕላስተር ኣትሪርኪ ጸቒጥኪ ኣብ ቆርበትኪ ለጥፍዮ።

እቲ ዝጠብቕ ፕላስተር ን 7 መዓልቲ (1 ሰሙን) ተለጢፉ ክቕኒ ኣለዎ። ነቲ ዝጠብቕ ፕላስተር ኣወግድዮ። ኣብቲ 2ይን 3ይን ሰሙን ሓድሽ ግበሪ። ኣብቲ 4ይ ሰሙን ዝጠብቕ ፕላስተር ኣይትጥቀሚን ኢኺ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ወርሓዊ ጽግያትኪ ይጅምር። ድሕሪ 7 መዓልቲ (1 ሰሙን)፡ ዋላ ደም ምፍሳስ እንተዘይሓደገኪ ሓድሽ ዝጠብቕ ፕላስተር ትጥቀሚ።

ኣተኣማማኒ

እቲ ኣብ ቆርበት ዝጠብቕ ጥንሲ ዝከላኸል ፕላስተር ብግቡእ እንድሕር ተጠቒምክሉ ኣዝዩ ኣታኣማማኒ እዩ። እቲ ኣብ ቆርበት ዝጠብቕ ፕላስተር ኣታኣማማኒ ኣይከውንን፡ ወይ ኣተኣማምነቱ ትሑት ይኸውን፡ እንድሕር:

  • ከም St John’s wort ዝኣመሰሉ ገለ መድሃኒታት ትወስዲ ሃሊኺ። ኣብ ቆርበት ዝጠብቕ ጥኝሲ ዝከላኸል ፕላስተር ትጥቀሚ ምህላውኪ ንሓኪምኪ ኣፍልጢ። መድሃኒት ክእዝዘልኪ እንከሎ ነዚ ኣብ ግምት ከእትዎ እዩ።
  • እቲ ዝጠብቕ ፕላስተር ድሕሪ ናይ 7-መዓልቲ ዕረፍቲ ክትገብርዮ እነተገብኣኪ እንድሕር ረሲዕክዮ፡ ወይ ከኣ ክትቅይርዮ እና`ተገብኣኪ እንተረሲዕክዮ; ወይ ከኣ ነቲ ዝጠብቕ ፕላስተር ክትትክእዮ እናተገበኣኪ እንተረሲዕክዮ;
  • እቲ ዝጠብቕ ፕላስተር እንድሕር ኣጥፊእክዮ’ሞ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት (1 መዓልቲ) ሓድሽ እንተ ዘይጌርኪ።
  • ክብደትኪ ልዕሊ 90 ኪሎ ትምዘኒ እንተኾንኪ።

ኣተኣማማኒ

እቲ ኣብ ቆርበት ዝጠብቕ ጥንሲ ዝከላኸል ፕላስተር ጌርኪ እናሃለኺ ነብስኺ ክትሕጸቢ፡ ክትሕምብሲን ስፖርት ክትሰርሒን ትኽእሊ።

እቲ ኣብ ቆርበት ዝጠብቕ ጥንሲ ዝከላኸል ፕላስተር ጌርኪ እናሃለኺ ነብስኺ ክትሕጸቢ፡ ክትሕምብሲን ስፖርት ክትሰርሒን ትኽእሊ።

ኣብ ጥዕናኺ ዘስዕቦ ጉድኣት የለን

እቲ ኣብ ቆርበት ዝጠብቕ ጥኝሲ ዝከላኸል ፕላስተር ሆርሞናት ዝሓዘ እዩ። እዞም ሆርሞናት ኩሉ ግዜ ኣብ ጥዕናኺ ዘስዕቡዎ ጸገም የለን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ምምራጽ ዝሓሸ እዩ። ምኽሪ ንምርካብ ንሓኪም ሕተቲ

እቲ ኣብ ቆርበት ዝጠብቕ ጥንሲ ዝከላኸል ፕላስተር ጽግያትኪ ከምዝንኪ ኣይገብርን። እንተድኣ ክትጠንሲ ደሊኺ፡ ነቲ ዝጠብቕ ፕላስተር ትኣልዮ።

ኣብተን ኣብ ቆርበት ዝጠብቕ ጥንሲ ዝከላኸል ፕላስተር ዝተጠቐምክለን ናይ መጀመርያ ኣዋርሕ፡ ከም ሃንደበታዊ ረስኒ ኣጥባት፡ ሕማም ርእሲ፡ ምዕውልዋል ወይ ከኣ ሳሓ ቆርበት ዝኣመሰሉ ጎድናዊ ሳዕቤናት ከምጽኣልኪ ይኽእል እዩ። እዞም ሳዕቤናት ኩሉ ግዜ ብቕጽበት እዮም ዝጠፍኡ። ክጠፍኡ እንተዘይክኢሎም፡ ንሓኪም ኣማኽሪ።

ወርሓዊ ጽግያትኪ ዝበዝሕ ግዜ ፈኲስን ብዙሕ ቃንዛ ዘይብሉን ይኸውን።

ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ኤችኣይቪን ግን ክከላኸል ኣይኽእልን

እቲ ኣብ ቆርበት ዝጠብቕ ጥንሲ ዝከላኸል ፕላስተር ብጾታዊ-ርክብ ንዝመሓላለፉ ረኽስታት ወይ ከኣ ኤች.ኣይ.ቪ ክከላኸለልኪ ኣይክእልን። ኮንዶም ጥራይ እዩ ክከላኸለልክን ዝኽእል።

ኮንዶም

እቲ ኣብ ቆርበት ዝጠብቕ ጥንሲ ዝከላኸል ፕላስተር ምዕዳግ

ነቲ ኣብ ቆርበት ዝጠብቕ ጥንሲ ዝከላኸል ፕላስተር ንምዕዳግ ናይ ሓኪም፡ ናይ ሓኪም ማህጸን ወይ ከኣ ናይ መሕረሲት ትእዛዝ የድልየኪ። ነቲ ኣብ ቆርበት ዝጠብቕ ጥንሲ ዝክላኸል ፕላስተር ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ክትዕድጊ ኣይትኽእሊን። ነቲ ኣብ ቆርበት ዝጠብቕ ጥንሲ ዝከላኸል ፕላስተር ካብ ቤት-መሸጣ መድሃኒት ጥራይ ኢኺ ክትዕድግዮ ትኽእሊ።

 

ዋግኡ ክንደይ እዩ?

9 ዝጠብቕ ፕላስተራት ዝሓዘ ባኮ (ን 3 ኣዋርሕ) ዋግኡ ካብ ኣስታት € 34 ክሳብ € 38 ይበጽሕ።

ዕድሜኺ 21 ዓመት ክሳዕ ትገብሪ፡ መብዛሕትኦም ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ብናይ ጥዕና መድሕንኪ ዝሽፈኑ እዮም። ይኹን እምበር፡ መጀመርያ ካብቲ ናይ ጥዕና መድሕን ፖሊሲኺ ክኸፍለልኪ ዝኽእል መጠን ንላዕሊ  (eigen risico)  ዝኾነ ክፍሊት ክትከፍልዮ ኣለኪ። ክንደይ ዝኣክል ሽፋን ከምእትረኽቢ ንምፍላጥ ናብቲ ናይ ጥዕና መድሕን ዝኣተወልኪ ብምኻድ ኣረጋግጺ። ካብ 21 ዓመት ዕድመ ንዳሓር፣ ተወሳኺ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ መድሕን እንድሕር ሃልዩኪ ጥራይ እዩ ናይ መከላኸሊ ጥንሲ ሽፋን ክትረኽቢ ትኽእሊ።