ምንጻል ጥንሲ
ምንጻል ጥንሲ ሕክምናዊ ኣገባብ ፍወሳ ኮይኑ ሓኪም ጥንስኺ ንምቁራጽ ዝፍጽሞ መስርሕ እዩ።
ምንጻል ጥንሲ ኣብ ትሕቲ ገለ ረቛሒታት ጥይ እዩ ክካየድ ዘለዎ። ምንጻል ጥንሲ ቅድሚ ምግባርኪ፡ ኣብ ውሳነ ክትበጽሒ ዝሕግዘኪ ዘተ ምስ በዓል-ሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ወይ ከኣ ምስ ካልእ ሓኪም ክትገብሪ ኣለኪ።
ውሳነ ክትውስኒ ዝሕግዘኪ ዘተ
እቲ ሓኪም ብዛዕባ ኵነታትኪ፡ ብዛዕባ እተፈላለዩ ናይ ጥንሲ ምርጫታትኪ ከምኡ ድማ ብዛዕባ እተፈላዩ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ የማኽረኪ።
ጥንስኺ ከተቋርጽዮ ወይ ከኣ ክትቅጽልዮ ባዕልኺ ናይ ምውሳን መሰል ኣለኪ። ኣብ ናይ ገዛእ-ርእስኺ ዉሳነ ንምብጻሕ እቲ ሓኪም ብዛዕባ እቶም ዘለዉ ኵሎም ምርጫታት ብመስርዕ ይሕብረኪ።
እታ ጓለንስተይቲ ብዘይ ናይ መጻምድታ ፍቓድ ምንጻል ጥንሲ ከተካይድ ትኽእል እያ። ዕድሚአን 16 ዓመትን ካብኡ ንላዕሊን ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ጥንሰን ክንጽላ ምስ ዝደልያ ባዕለን ክውስና ይፍቀደለን እዩ። ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ-ኣንስትዮ ግን ናይ ወላዲ ወይ ናይ ሞግዚት ፍቓድ የድልየን። እዚ ዘይከኣል እንተኾይኑ፡ ናብ በዓል ሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ብቐጥታ ናብ ናይ ምንጻል ጥንሲ ክሊኒክ ኪዳ። ኣብ ከምዚ ኩነታት መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ወላዲ ፍቓድ ኣይሕተትን።
ሜላታት ምንጻል ጥንሲ
ክሳብ 13 ሰሙናት ኣብ ዘሎ ናይ ጥንሲ ግዜ ክትግበሩ ዝኽእሉ 2 ሜላታት ምንጻል ጥንሲ ኣለዉ:
- ናይ ምንጻል ጥንሲ ከኒና:
ክሳብ 9 ሰሙናት ኣብ ዘሎ ናይ ጥንሲ ግዜ (ካብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይ መወዳእታ ወርሓዊ-ጽግያትኪ ይቑጸር)።ኣብቲ ክሊኒክ ወይ ከኣ ኣብቲ ቤት-ጽሕፈት ሓኪም ስድራቤት 1 ከኒናታት ክትወስዲ ኣለኪ ብድሕሪኡ ንገዛኺ ትኸዲ። ድሕሪ 1 ወይ ከኣ 2 መዓልቲ ድማ ተወሳኺ ከኒናታት ትወስዲ። ናይ ምንጻል ጥንሲ ከናኒ ምኻድ ጥንሲየስዕብ። ዋህዮ ናይ ዝጸገየ እንቋቝሖ ካብቲ ርሕሚ ደም ከምኡ ከኣ ዝረግአ ደም ሒዙ ይወጽእ። ኣቐንዛዊ ምሽምቓቕ ናይ ጭዋዳታት ከጋጥመኪ እዩ። ክብደት ናይቲ ዘጋጥም ቓዛ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። ዓቐን ናይቲ ዝፈሰኪ ደም እውን ምስ ናይ ካልኦት በበይኑ እዩ። ኣብ መብዛሕትአን ደቂ-ኣንስትዮ ግን እቲ ዓቐን ቓንዛ ልክዕ ከምቲ ከቢድ ወርሓዊ-ጽግያት እዩ።
ኣብ ኣወሳስዳ እቲ ክትጥቀምሉ እትኽእሊ ጸረ-ቓንዛ ምኽሪ ክወሃበኪ እዩ። ዕውልውል ምባል፡ ገብገብ ምባል፡ ረስኒ ከምኡ ከኣ ውጽኣት ገለ ካብቶም ከጋጥሙኺ ዝኽእሉ ጐናዊ-ሳዕቤናት እዮም። ክሕግዘኪ ዝኽእል ሰብ ምሳኺ ክህሉ እንከሎ ዝበለጸ እዩ። ብማእከላይ ገምጋም እቲ ምፍሳስ ደም ካብ 2 ክሳብ 3 ሰሙናት ዝጸንሕ ኰይኑ፡ ግን ካብኡ ክሓጽር ወይ ከኣ ክነውሕ ይኽእል።
- ማህጸንካ ካብ ድቂ ናጻ ናይ ምግባር ድሌት(ኣብ ገለ እዋን መጺኻ ምጽራግ ብዝብል ስም ይፍለጥ):
ክሳብ 13 ሰሙናት ኣብ ዘሎ ናይ ጥንሲ ግዜ (ካብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይ መወዳእታ ወርሓዊ-ጽግያትኪ ይቑጸር)።እቲ ሓኪም ቅድሚ ምጅማርኪ ንዝተወሰነ ክፋል ኣካላት ጥራሕ ዘደንዝዝ መደንዘዝ ክህበኪ እዩ። እቲ ማህጸን መራፍእ ብምውጋእ ክድንዝዝ እዩ። እዚ ድማ ሓጺር ከምኡ ከኣ ብርቱዕ ቓንዛ ክህልዎ ይኽእል። ብድሕሪ እዚ እቲ ሓኪም ብርሕሚ ኣቢሉ ነቲ ማህጸን ንምጽራይ ቀጢን ቱቦ ክጥቀም እዩ። ነዚ ክገብር እንከሎ ምሽምቓቕ ናይ ጭዋዳታት ከጋጥመኪ ይኽእል፡ እዚ ከኣ ምስቲ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያትኪ ዘጋጥመኪ ብርቱዕ ምሽምማቕ ናይ ጭዋዳታት ክወዳደር ይኽእል። ብተወሳኺ ኣብ ገለ ክሊኒካት መደንዘዚ ብምርጫ እዩ ዝወሃብ ስለዚ ኣብ እዋን እቲ ሕክምናዊ ኣገባብ ፍወሳ ክትድቅሲ ከምኡ ከኣ ዋላ ሓደ ነገር ዘይፍለጠኪ ክትኰኒ ትኽእሊ።
እቲ ሕክምናዊ ኣገባብ ፍወሳ ኣስታት 10 ደቓይቕ ይወስድ። ድሕሪ እቲ ሕክምናዊ ኣገባብ ፍወሳ ክሳብ ትሓውዪ ኣብቲ ምንጻል ጥንሲ ዝካየደሉ ክሊኒክ ክትጸንሒ ትምከሪ። መደንዘዚ ተገይሩልኪ እንተ ኾይኑ፡ መኪና እናዘወርኪ ናብ ገዛኺ ክትከዲ ኣይክፍቀደክን እዩ። ረኽሲ ንምክልኻል ጸረ-ነፍሳት ክትቅበሊ ኢኺ ከምኡ ከኣ ብዛዕባ ፍወሳ ቓንዛ ምኽሪ ክትወሃቢ ኢኺ።
ንተወሰኽቲ ሒደት መዓልታት ኣብ ከብድኺ ምሽምቓቕ ናይ ጭዋዳታት ከጋጥመኪ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እቲ ክትጥቀምሉ እትኽሊ ፍወሳ ቓንዛ ምኽሪ ክወሃበኪ እዩ። ብተወሳኺ ዝበዝሕ ግዜ ደም ክፈሰኪ እዩ፡ ልክዕ ከምቲ ስሩዕ ወርሓዊ ጽግያትኪ። ዝበዝሕ ግዜ እቲ ዝፈስስ ደም ኣብ ዉሽጢ ክልተ ሰሙናት የቋርጽ።
ካብ 13 ሰሙናት ንድሓር ኣብ ዘሎ ግዜ (ካብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይ መወዳእታ ወርሓዊ-ጽግያትኪ ይቑጸር):
ድሕሪ 13 ሰሙናት ዝተፈላለዩ ሜላታት ናይ ምንጻል ጥንሲ ኣለው። ድሕሪ እዚ ሕክምናዊ ኣገባብ ፍወሳ መታን ከተዕርፊ ኵሉ ግዜ ኣብቲ ክሊኒክ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክትጸንሒ ኢኺ። ድሕሪ 13 ሰሙናት ዝግበር ምንጻል ጥንሲ ኣብ ኩሉ ክሊኒካት ኣይርከብን።
ናይ ህጹጽ እዋን ፍታሕ
ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ እውን ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ።
ምንጻል ጥንሲ ሓደ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ህጹጽ እዋን ዝግበር ፍታሕ እዩ።