ፍቒራዊ ምትእስሳር ምስ ቆልዓኺ
ናይ ኣደ-ህጻን ዝምድና
እቲ ኣብ መንጎ ኣደን ቆልዓን ዘሎ ፍቕራዊ ምትእስሳር ብተፈጥሮ ኣብ እዋን ጥንሲ ዝምዕብል እዩ።
ኣደን ቆልዓን ንናይ ሓድሕዶም ምልክታዊ መልእኽቲ ቅጽበታዊ ምላሽ እዮም ዝወሃሃቡ። እቲ ቆልዓ ናይ ኣደኡ ጨናን ህርመት ልቢን የለሊ።
ኣብ መዓልታዊ እታ ኣደ እቲ ቆልዓ እንታይ ከምዝደሊ ብዝበለጸ እናተረዳአት ትኸይድ። ንኣብነት: ስለምንታይ ከምዝበኪ ወይ ከኣ መዓስ ከምዝጠሚ።
ጸባ ጡብ ምጥባው ኣብ መንጎ ኣደን ቆልዓን ዘሎ ፍቕራዊ ምትእስሳር ብዝበለጸ ከምዝድልድል ይገብር። ጸባ ጡብ ከጥብዋ ዘይክእላ ኣደታት ም ስቈልዓአን ፍቕራዊ ምትእስሳር ዝፈጥራሉ ካልእ መንገዲታት ክህሉወን ይኽእል እዩ።
ናይ ኣቦ-ህጻን ዝምድና
ኣቦታት ግን፡ ከምዚ ዝበለ ድልዱል ፍቕራዊ ምትእስሳር ክፈጥሩ ክኸብዶም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣቦታት እውን ምስ ቆልዓኦም ዘለዎም ፍቕራዊ ምትእስሳር ከደልድሉ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ እዚ ዝስዕብ ክገብሩ ይኽእሉ:
- ነቲ ቆልዓ ጸባ-ጡብ ክምግብዎ ወይ ከኣ ንቆልዓ ዝተዳለወ ሕሩጭ ጸባ ብጡጦ ገይሮም ክምግብዎ ይኽእሉ;
- ነቶ ቆልዓ ክሓቑፍዎ ይኽእሉ;
- ነቲ ቆልዓ ነብሱ ይሓጽቡዎ;
- ነቲ ቆልዓ ባማሕዘል ሓዚሎምዎ ይዘሩ።
እቶም ናይ ምቅርራብ ህሞታት ንኣቦን ነቲ ቆልዓን ኣገደስቲ እዮም። ብተወሳኺ እታ ኣደ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዕረፍቲ እናረኸበት ትኸይድ ማለት እውን እዩ።
ምዝራብ
ወላዲ ምዃን እናተምሃርካዮ እትኸይድ መስርሕ እዩ። ንቤተሰብኩም፡ ንኣዕሩኽትኹም፡ ንኻልኦት ወለዲ ከምኡ ድማ ንበዓል-ሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ወይ ከኣ ንመሕረሲት ኣዘራርቡ። ንሳቶም ክሕግዙኻን ምኽሪ ክህቡኻን ይኽእሉ እዮም። ምስ መጻምድትኻ እውን ብዛዕባ ክልቴኹም እትደልዩዎ ነገራት ተዘራረቡ።