ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ኣብ ንኡስ ዕድመ ምጥናስ

ኣዝያ ጸጋይት

ሓንቲ ጓለንስተይቲ በጽሒ እንተኾይና ከምኡ ከኣ ንመጀመርያ ግዜ ጽፍዮ-እንቋቑሖ እንተ ተራእዩዋ ጸጋይት ትኸውን (ናይ መጅመርያ ዑደት)። ድሕሪ እቲ ናይ መጀመርታኣ ጽፍዮ-እንቋቑሖ፡ እታ ጓለንስተይቲ ኣብ ኣስታት 6 መዓልቲታት ናይ ነፍሲ-ወከፍ ወርሒ ትጸጊ። 

እታ ጓለንስተይቲ ዋላ ኣብታ ንፈለማ እዋን ጾታዊ-ርክብ ዝገበረትላ ግዜ ክትጠንስ ትኽእል እያ።

ዝለዓለ ስግኣተ-ሓደጋ ነታ ኣደን ነቲ ዕሸልን

ዕድመኣ ትሕቲ 20 ዓመት እንከላ ዝጠነሰት ጓለንስተይቲ፡ ሕርሳ ከቢድ ናይ ምዃን ስግኣተ-ሓደጋ ክብ ይብል።

እቲ ዕሸል ነዞም ዝስዕቡ ስግኣተ-ሓደጋታት ክቃላዕ ይኽእል:

  • ኣብ ዘይመዓልቱ ምውላድ;
  • ትሑት ክብደት ዘለዎ ኮይኑ ምውላድ (ንሕማም ናይ ምቅላዕ ልዑል ስግኣተ-ሓደጋ)።

ቆልዓ ምስ ወለድኪ መነባብሮ ለውጢ ይፍጠር

ንእሽይ እንከለኺ ክትወልዲ ትሓስቢ እንተሃሊኺ፡ ነዞም ዝስዕቡ ኣብ ግምት ከተእትዊ ኣለኪ:

  • ንትምህርቲ፡ ስራሕን መዛነዪን እትህብዮ ግዜ ይውሕድ;
  • ቆልዓ ንምዕባይ ዝሓተኪ ወጻኢታት ኣዝዩ ክቡር እዩ።
  • ምስ መጻምድትኺ፡ ወለድኺን መሓዙትኪን ዘለኪ ዝምድና ክቕየር እዩ። ቀዳምነት ንቆልዓኺ ኢኺ ትህቢ።
  • መንበሪ ቦታ ምቕያር ከድልየኪ ይኽእል።

መከላኸሊ ጥንሲ

ክንደይ ቆልዑት ክትወልዱ ከምእትደልዩን መዓስ ክትወልዱ ከምእትደልዩን ምስ መጻምድትኺ ተማኺርኩም ትውስኑ። እዚ ውጥን ስድራቤት ይበሃል። ነዚ መከላኸሊ ጥንሲ ተጠቒምኪ ክትገብርዮ ትኽእሊ ኢኺ። 

ዘይተሓስበ ጥንሲ

ክትጠንሲ ዉጥን ዘይነበረኪ እንከሎ እንተጠኒስኪ፡ እተፈላለየ ምርጫታት ኣለኪ። ካብ ወለድኺ፡ ቤተሰብኪን መሓዙትኪን ደገፍ ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ። ሕፍረት ክስምዓኪ የብሉን። ኣብ ዝኾነ ሰብ ከምኡ ከጋጥሞ ይኽእል እዩ። ምኽሪ ከምኡ ድማ ሓገዝ ንምርካብ ንብዓል-ሞያ ክትሓቲ እውን ትኽእሊ ኢኺ።