ጸገማት ጥንሲ ኣብ ምሓዝ
ገለ ደቂ-ኣንስትዮ ቀልጢፈን ይጠንሳ; ገሌአን ከኣ ድሕሪ ነዊሕ ፈተነ ይጠንሳ። ክሳዕ ዝጠንሳ 1 ዓመት ክወስደለን ይኽእል። እዚ ንቡር እዩ።
ነዊሕ ግዜ እንድሕር ወሲዱ፡ ንስኺ ወይ መጻምድትኺ ጽግያትኩም ትሑት ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት: ናይቲ ወዲ-ተባዕታይ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ እኹል ዋህዮታት ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ ዘይክህልዎ ይኽእል።
ዘይጥዑይ መነባብሮን ዕድመን
ኣብ ናትክን ናይ መጻምድትኺን ጽግያት ኣሉታዊ ጽልዋ ከፈጥሩ ዝኽእሉ ብዙሓት ረቛሒታት ኣለዉ። ንኣብነት፡-
- ሽጋራ ምትካኽ፡
- ኣዝዩ ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ፡
- ኣዚኻ ልዕሊ ክብደት ወይከኣ ትሕቲ ክብደት ምዃን፡
- ገለ መድሃኒታት፡ ንኣብነት ናይ ኤች.ኣይ.ቪ መድሃኒት፡
- ከም ሽኮርያ ዝኣመሰሉ ሕዱር ሕማማት፡
- ዕጸ-ፋርስ ምጥቃም፡
- ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ምስራሕ፡
- ዘይተፈወሱ ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት።
ጥዑይ መነባብሮ ምህላው: ጥዑይ መግቢ ክትበልዕኡ ፈትኑ ከምኡ ድማ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ግበሩ።
ጽግያትኪ ኣብ መዋእል ህይወትኪ ይቀያየር እዩ። ጓለንስተይቲ ዕድሚኣ ልዕሊ 35 ዓመት ክትገብር እንከላ፡ ጽግያነታ ብቕልጡፍ እናደስከለ ይኸይድ። ጓለንስተይቲ ዕድሚኣ ካብ 45 ክሳዕ 55 ዓመት ምስ ገበረት፡ ወርሓዊ ጽግያታ የቋርጽ ስለዚ ክትወልድ ኣይትኽእልን። እዚ ድማ ንጽፈተ-ጽግያት ይበሃል።
ኣብ እዋን መኻንነት እንታይ ምግባር የድሊ?
ስለምንታይ ክትጠንሲ ከምዘይከኣልኪ (መኻንነት) ንምፍላጥ ናብ ብዓል-ሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ኪዲ። ኣድላዪ እንተኾይኑ፡ እቲ ሓኪም ናይ ጽግያት ፍወሳ ንኽትረኽቢ ኣብቲ ሆስፒታል ናብ ዝርከብ ስፔሻሊስት ክልእኸኪ ይኽእል እዩ።
እተፈላለዩ ምርጫታት ኣለዉ:
- ቴራፒ ብመድሃኒታት;
- ጽግያት ንኽህሉ ዝሕግዙ ቴክኖሎጂታት;
- መጥባሕቲ።
ብተወሳኺ ቆልዓ ብርዕመት ከተዕብዩ ትኽእሉ ኢኹም። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ Fiom ተወከሱ (እቲ መርበብ ሓበሬታ ብቛንቋ ሆላንድ ጥራይ እዩ)።