ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ናይቲ ዘይተወልደ ዕሸል ዕቤት

እቲ ጥንሲ ንኣስታት 9 ኣዋርሕ (40 ሰሙን/ 280 መዓልቲታት) እዩ ዝጸንሕ።

ካብ 1 ክሳዕ 3 ኣዋርሕ

እቲ ዝጸገየ ዋህዮ እንቋቑሖ ቀልጢፉ ይዓቢ። ድሕሪ ካብ 3 ክሳዕ 6 ሰሙን፡ ኩሎም መሰረታዊ ናውቲ ኣካላት ክቦቕሉ ይጅምሩ። 

ድሕሪ 6 ሰሙን፡ ልቢ ህርመት ትጅምር።

እቶም ናውቲ ኣካላት (ከም ሓንጎል፡ ናይ ዓንዲ ሕቖ ኣንጉዕ፡ ወዘተ።) ክዓብዩ ይጅምሩ።

እቲ ዕትብቲ ከምኡ ድማ መዳሕንቲ በቦትኦም ይሕዙ።

ካብ 4 ክሳዕ 6 ኣዋርሕ

እቲ ዕሸል ብቕልጡፍ ይዓቢ እቲ ሓንጎል እውን ብዙሕ ዕቤት የርኢ። እቲ ዕሸል ክንቀሳቐስ ይጅምር፡ ንኣብነት: ይኹርመ፡ ይራጋሕ፡ ኣእዳዉ ይጭብጥ። እቲ ዕሸል ክውሕጥ፡ ክምጥምጥን ከምባሁቕን ይኽእል።

ድሕሪ 4 ኣዋርሕ፡ እታ መሕረሲት ወይ ከኣ ናይ ማህጸን ሓኪም ብመርመራ ኣልትራሳውንድ ገይሮም ናይቲ ዕሸል ጾታ ክነግሩኺ ይኽእሉ። ናይ ዕሸልኪ ጾታ ክትፈልጢ ምድላይን ዘይምድላይን ኣብ ናትኪ ምርጫ እዩ ዝምርኮስ። 

ድሕሪ ኣስታት 5 ኣዋርሕ፡ እቲ ዕሸል ይንቀሳቐስ ምህላዉ ክስመዓኪ እዩ።

አጽፋር፡ ቆርበትን ጸጉሪ ኣካላትን የቡቅል።

እቲ ዕሸል ክሰምዕ ይጅምር።

ካብ 7 ክሳዕ 9 ኣዋርሕ

እቲ ዕሸል ክብደቱ ብ 3 ዕጽፊ ዕቤቱ ድማ ብክልተ ዕጽፊ ይውስኽ።

እቲ ዕሸል ሙቐት ንምርካብ ስብሒ፡ ንዕቤት ጭዋዳታት ፕሮቲን፡ ንዕቤት ዓጽሚ ካልስዩም ከምኡ ድማ ከም ሓጺን ዝኣመሰሉ ካልኦት ኣገደስቲ መኣዛታት ይኽዝን።

እቲ ሓንጎል ብቕልጡፍ ይዓቢ።

እቶም ሳናቡእ ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ጥንሲ እዋን ርእሶም ክኢሎም ከተንፍሱ ድልዋት ኮይኖም ኣለዉ።

እቲ ዕሸል ክውለድ ምስ ቀረበ ኣቃውማኡ ይቕይርን ኵሉ ግዜ ርእሱ ንታሕቲ ይገብርን።