ናይ ጥንሲ ምልክታት
ኣካላት
ኣብ እዋን ጥንሲ ኣካላትኪ ብዙሕ ለውጢታት የርኢ። እዞም ዝስዕቡ ለውጢታት ይረኣዩኺ:
- ወርሓዊ ጽግያትኪ የቋርጽ።
- ክብደት ትውስኺ።
ከምኡውን ሓደ ወይ ልዕሊ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ዘይምቹኣት ኩነታት የጋጥሙኺ። እዚ ንቡር እዩ። ዝዀነ ሕቶታት እንተ ሃልዩኪ፡ ምስ መሕረሲትኪ ወይ ምስ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተዘራረቢ።
- ምዕውልዋል;
- ድኻም;
- ድርቀት ቀለል (ቀልቀልኪ ምውጻእ ይኣብየኪ);
- ናይ ኣጥባት ሕበጥን ቃንዛን;
- ብተደጋጋሚ ናብ ሽቓቕ ናይ ምኻድ ድሌት;
- ናይ ግርጻን ነድሪ።
ኣብቲ ዳሕራይ እዋን ናይቲ ጥንሲ ድማ፡ ካልኦት ምቹእነት ዝኸልኡ ነገራት የጋጥሙኺ ይኽእሉ:
- ሕንጻጻዊ ስምብራታት (ሕንጻጽ ዝመስሉ በሰላታት) ኣብ ከብድኺ;
- ቃንዛ ዘለዎ ናይ ኣእጋርን ከብዲ እግሪን ሕበጥ;
- ናይ ሕቖ ቃንዛ።
ኩነተ-ስምዒታት
ኩነተ-ስምዒታትክን ኩነተ-ኣእምሮኺን ብቕልጡፍ ክቀያየር ይኽእል። ንኣብነት: ኣብ ሓደ ህሞት ሕጉስቲ ጸኒሕኪ ከይደንጎኺ ከኣ ሕርቃን ወይ ኩራ ክስመዓኪ ይኽእል።
ምዕውልዋል
ምዕውልዋል ቀንዲ ኣብተን ናይ መጀመርያ 3 ናይ ጥንሲ ኣዋርሕ እዩ ዘጋጥም።
- ፍኹስ ዝበለ ቁርሲ ብልዒ;
- ኣብ እዋን ቀትሪ ብዙሕ ግን ነንእሽተይ እናገበርኪ ተመገቢ;
- ኣብ እዋን ቀትሪ እኹል መጠን ማይ ስተዪ;
- ተምላስ እንድሐር ሃልዩኪ ወይ ከኣ ቁሩብ መጠን ሽንቲ ጥራይ እንድሕር ትሸኒኾንኪ ንመሕረሲትኪ ወይ ንናይ ማህጸን ሓኪምኪ ረኺብኪ ኣዛራርቢ።
እዚ ዝስዕብ ምግባር እውን ጠቓሚ እዩ:
- ካብ ዓራትኪ ቅድሚ ምውራድኪን ናብ ዓራትኪ ክትድይቢ እንከለኺን ገለ ፍኹስ ዝበለ መግቢ ብልዒ;
- ቁሩብ ጸባ ወይ ከኣ ናይ ጅንጅብል ሻሂ ስተዪ።
ድኻም
ድኻም ብፍላይ ኣብ መጀመርያ ናይ ጥንሲ ግዜ እዩ ዘጋጥም።
- ብዙሕ ዕረፍቲ ውሰዲ;
- ኣብ ደምኪ እኹል ሓጺን ወይ ኣይረን ከምዘለኪ ንምርግጋጽ ናብ መሕረሲት ወይ ከኣ ናብ ናይ ማህጸን ሓኪም ኪዲ።
እቲ ጥንሲ ኣብ መወዳእታ ግዜኡ ክበጽሕ እንከሎ ናይ ኩነተ-ስምዒት ሻቕሎትን ድቃስ ምስኣንን ከጋጥመኪ ይኽእል እዩ። እዚ ብምንቅስቓስ ናይቲ ዕሸል፡ ምሽምቓቕ ጭዋዳን፡ ደጋጊምካ ምሻንን ክመጽእ ዝኽእል ኮይኑ ድኻም እውን ከስዕብ ይኽእል እዩ።
ድርቀት ቀልቀል
እቶም ኣብ መዓናጡ ዝርከቡ ጭዋዳታት ፍትሕትሕ ይብሉሞ ኣብ እዋን ጥንሲ ኣዝዮም ህድእ ኢሎም ይሰርሑ። እዚ ድርቀት ቀልቀል ከስዕብ ይኽእል።
- ብዙሕ ማይ ስተዪ; (ካብ 1.5 ክሳዕ 2 ሊትሮ ኣብ መዓልቲ)
- ሓድሽ ጽሟቕ ፍረታት ስተዪ;
- ብዙሕ ጽሕጊ ዘለዎ መግቢ ብልዒ (ንኣብነት፡ ምስ ሓሰርንፋዩ ዝተሰንከተ ባኒ);
- ንጥፍቲ ኩኒ (እንተወሓደ መዓልታዊ ን 30 ደቓይቕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ግበሪ)።
ናይ ግርጻን ነድሪ
ኣብ እዋን ጥንሲ ዝፍጠር ናይ ሆርሞን ለውጢታት ዋሕዚ ደም ናብ ግርጻን ከምዝውስኽ ይገብር። ግርጻንኪ ኣዝዮም ተኣፈፍቲ፡ ነደርቲን ንሕበጥ ዝተቓልዑን ክኾኑ ይኽእሉ፡ ሽዑ ክደምዩ ይጅምሩ።
- ኣስናንኪ ኣብ መዓልቲ 2 ግዜ ብብራሽ ኣጽርዮ;
- ኩሉ መዓልቲ ኣስናንኪ ንምጽራይ መሰቕሰቕ ስኒ ተጠቐሚ;
- ግርጻንኪ መድመይቱ እንድሕር ከቋርጽ ዘይክኢሉ ናብ በዓል-ሞያ ሕክምና ስኒ ኪዲ።
ሕንጻጻዊ ስምብራታት
ሕንጻጻዊ ስምብራታት ኣብ ቆርበት ከብዲኺ፡ ኣጥቧትኪ ወይ ከኣ ኣብ ምሕኹልቲኺ ዝፍጠሩ ሮዛዊ ወይ ቡናዊ ሕብሪ ዘለዎም ሕንጻጻት እዮም። ብምኽንያት ምምጣጥ ቆርበትኪ እዮም ዝፍጠሩ። እቶም ሕንጻጻዊ ስምብራታት ድሕሪ ጥንሲ ይሃሱ እዮም፡ ግን ቁሩብ ዝረአ ኣሰር ይገድፉ እዮም።
ቆርበትኪ ንምክንኻን መለስለሲ ክሬም ወይ ከኣ ዘይቲ ኣብ ከብድኺ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።
ቃንዛ ዘለዎ/ዝሓበጠ ኣእጋርን ከብዲ እግሪን
መብዛሕትአን ጥኑሳት ደቂ-ኣንስትዮ ብፍላይ ኣብ ከባቢ መወዳእታ እዋን ጥንሰን ብናይ እግሪን ከብዲ እግሪን ሕበጥ ይሳቐያ። ናይ እግሪን ከብዲ እግሪን ሕበጥ ማህጸን ኣብ ሰራውር ደም ብዝፈጥሮ ጸቕጥን ኣብ ኣካላት ዘሎ መጠን ደም ክውስኽ ከሎን እዩ ዝፍጠር።
ኮፍ ክትብሊ እንከለኺ ኣእጋርኪ ንላዕሊ ኣበሪኽኪ ኮፍ በሊ ከምኡ ድማ እኹል ፈሳሲ ስተዪ።
ናይ ሕቖ ቃንዛ
ናይ ሕቖ ቃንዛ ብቐንዱ ብምኽንያት ወሰኽ ክብደት ማህጸንን ኣብ ሆርሞናት ብዝኽሰቱ ለውጢታትን እዩ ዝፍጠር።
- ቀኒዕኪ ኮፍ በሊ;
- ከበድቲ ነገራት ከተልዕሊ እንከለኺ ኣብራኽኪ ዕጸፊ;
- ነዋሕቲ ጫማታት ኣይትግበሪ፣
- ቀሊል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ግበሪ፡ ንኣብነት: ብእግሪ ምንቅስቓስ፡ ምሕምባስ ወይ ከኣ ብሽክለታ ምዝዋር።
ድሕሪ ሕርሲ
ድሕሪ ሕርሲ፡ መሸከል ኣካላትኪ ካብቲ ቅድሚ ጥንሲ ዝነበሮ ትርኢት ይቕየር እዩ። ንኣብነት: ክብደትኪ ከምኡ ድማ ናይ ከብድኺን ናይ ኣጡባትክን ቅርጺ ከም ቀደሙ ኣይከውንን።