ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ኣብ እዋን ጥንሲ ብመሕረሲት ወይ ብናይ ምህጸን ሓኪም ምርኣይ

ጥንስቲ እንተ ኾንኪ፡ ኣብ ከባቢኺ ምስ እትርከብ መሕረሲት ቆጸራ ክትሕዚ ትኽእሊ ኢኺ። እታ መሕረሲት ናይ ኦልትራሳውንድ መርመራ ብምግባር ንጥንስኺ ከተረጋግጾ እያ። ኣድላዪ እንተዀይኑ ድማ ናብ ሓኪም ማህጸን ክትልእከኪ ወይ ሪፈር ክትብለኪ እያ።

ጥንስቲ እንተ ኾንኪ፡ እታ መሕረሲት ወይ ከኣ እቲ ናይ ማህጸን ሓኪም ኣብ ሙሉእ ጉዕዞ ጥንስኺ ንዓኺን ነቲ ጥንሲን ክትትል ክብሩልኩም እዮም።

ጥንስኺ ንምርግጋጽ ምስ መሕረሲት ወይ ከኣ ምስ ናይ ማህጸን ሓኪም ቆጸራ ሓዚ።

ቀጻሊ ምርመራታት

ኣብቲ ናይ ፈለማ ምርመራ፡ እታ መሕረሲት ወይ እቲ ናይ ማህጸን ሓኪም ነዞም ዝስዕቡ ክገብሩ እዮም:

  • ብዛዕባኺ፡ ብዛዕባ መጻምድትኺ፡ ብዛዕባ ቤተሰብኪ፡ ብዛዕባ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጥንሲታትኪ ከምኡ ከኣ ንመወዳእታ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት ዝረኣኽሉ ዕለት ብምሕታት ብዛዕባ ጥንስኺ ሓበሬታ ንምእካብ ክፍትን እዩ።
  • ክብደትኪን ጸቕጢ ደምኪን ክፍትሽ እዩ;
  • እቲ ዕሸል ክሮሞዞማዊ ኣበር (NIPT – ደም ካብ ቅልጽምኪ ተወሲዱ መጽናዕቲ ክግበረሉ እዩ) ከይህሉዎ ወይ ከኣ ካልእ ኣካላዊ ኣበራት (SEO – ናይ ኦልትራሳውንድ መርመራ) ከይህሉዎ ንምፍታሽ ብዛዕባ ተወሰኽቲ መርመራታት ሓበሬታ ክህበኪ እዩ። እቶም መጻምድቲ ነዚ መርመራታት ዝደልዩዎ እንተ ኾይኖም ባዕሎም ይውስኑ። እንተድኣ ትደልዪ ኾንኪ፡ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ጥንስቲ ኮንኪ ከምዘለኺ ንምፍላጥ እውን እታ መሕረሲት ናይ ኦልትራሳውንድ መርመራ ክትገብረልኪ ትኽእል እያ።

ድሒሮም ኣብ ዝግበሩ ምርመራታት፡ እታ መሕረሲት ወይ ከኣ እቲ ናይ ማህጸን ሓኪም ነዞም ዝስዕቡ ክገብሩ እዮም:

  • ከመይ ከምዘለኺ ክሓቱኽን ንሕቶታትኪ መልሲ ክህቡሉን
  • ክብደትኪን ጸቕጢ ደምኪን ክምርምሩኺ
  • ዕቤት ናይቲ ዕሸል ክምርምሩን ህርመት ልቡ ክሰምዑዎን
  • ብዛዕባ እቲ ጥንሲን ሕርስን ሓበሬታ ክህቡኺ

ኣብ መወዳእታ ናይ ጥንሲ ወርሒኺ፡ ኣቋውማ ዕሸልኪ ኣብ ውሽጢ ማህጸን ከመይ ከምዘሎ ይፍተሸ።

እታ መሕረሲት ወይ ከኣ እቲ ናይ ማህጸን ሓኪም ኣብ እዋን ጥንሲኺ እንተወሓደ ናይ ኣልትራሳውንድ መርመራ ክገብሩልኪ እዮም።

እታ መሕረሲት ንህርመት ልቢ እቲ ዕሸል ብቐጻሊ ትሰምዖ

ምስ መሕረሲትኪ ወይ ምስ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተራኸቢ

እዞም ዝስዕቡ ኣጋጣሚታት እንተተፈጢሮም ምስ መሕረሲትኪ ወይ ምስ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ክትራኸቢ (ብቕጽበት) ኣድላዪ ይኸውን:

  • ብኸብድኺ እንተወዲቕኪ;
  • ኣብ ከብድኺ ሓያል ቃንዛ እንተተሰሚዑኪ;
  • ቀጻሊ ረስኒ እንተሃልዩኪ;
  • ደም ብርሕምኺ እንተፈሲሱኪ;
  • ብዙሕ ክብደት እንተነኪኺ;
  • ኣሚንዮቲክ ፈሳሲ እንተ ፈሲሱኪ;
  • ብዙሕ ሕማቕ ጨና ዘለዎ ናይ ርሕሚ ፈሳሲ እንተሃልዩኪ; 
  • ድሕሪ 26 ሰሙናት እቲ ቆልዓ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ብንጹር ክስመዓኪ እንተዘይክኢሉ; 
  • ብቐጻሊ ምጭብባጣት ይስመዓኪ እንተሃልዩ። 

ብኸብድኺ እንተወዲቕኪ ብቕጽበት ምስ መሕረሲትኪ ወይ ከኣ ምስ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተራኸቢ።

ኣብ ከብድኺ ከቢድ ቃንዛ እንድሕር ዝስመዓኪ ኾይኑ ብቕጽበት ምስ መሕረሲትኪ ወይ ከኣ ምስ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተራኸቢ።

ቀጻሊ ረስኒ እንተሃልዩኪ ብቕጽበት ምስ መሕረሲትኪ ወይ ከኣ ምስ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተራኸቢ።

ካብ ርሕምኺ ደም እንድሕር ዝፈሰኪ ኽዕይኑ ብቕጽበት ምስ መሕረሲትኪ ወይ ከኣ ምስ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተራኸቢ።

ብዙሕ ክብደት እንድሕር ነኪኺ ብቕጽበት ምስ መሕረሲትኪ ወይከኣ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተራኸቢ።

ካብ ርሕሚኺ ፈሳሲ እንድሕር ዝኸደኪ ብቕጽበት ምስ መሕረሲትኪ ወይ ከኣ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተራኸቢ።

ብዙሕ ሕማቕ ጨና ዘለዎ ጻዕዳ ፈሳሲ ካብ ርሕሚኺ ዝኸደኪ እንተኾይኑ ብቕጽበት ምስ መሕረሲትኪ ወይ ከኣ ምስ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተራኸቢ።

ኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ዝፍጸም ጎነጻዊ ተግባር ኣብ እዋን ጥንሲ

“>ኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ዝፍጸም ጎነጻዊ ተግባር ኣብ ወሲባዊ ርክብ ኣብ መንጎ ዝርከቡ 2 ሰባት ዝፍጠር ዝኾነ ዓይነት ጎነጻዊ ተግባር እዩ። ኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ዝፍጸም ጎነጻዊ ተግባር ብሕጊ ክልኩል እዩ።

ኣብ እዋን ጥንሲ ዝፍጸም ኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ዝፍጸም ጎነጻዊ ተግባር ኣብ ልዕሊ እታ ኣደን እቲ ጥንሲን ናይ ጥዕና ጸገማት ከስዕብ ይኽእል እዩ። እቶም ጸገማት ኣካላዊ ወይ ከኣ እነ-ኣእምሮኣዊ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት: ጭንቀት፡ መድመይቲ፡ ልዑል ጸቕጢ ደ፡ መዓልቱ ዘየእከለ ዕሸል ምውላድ፡ ትሑት ዝኽብደቱ ዕሸል ምውላድ፡ ምኻድ ጥንሲ።

ኣብ እዋን ጥንሲ ካብ መጻምድቲኺ ጎነጻዊ ተግባር እንድሕር ተፈጺሙኪ ሓገዝ ንምርካብ ንመሕረሲትኪ፡ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ከምኡ ድማ ንበዓልሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ሕተቲ።

ኣብ ህጹጽ እዋን፡ ብ 112 ደውሊ።