ምስ ብዓል-ሞያ ጥዕና ምዝራብ
ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ህይወትኩምን ወሲባዊ ርክብኩምን ዝምልከት ሕቶታት እንተሃልዮምኩም፡ ንእተፈላለዩ ሰብ-ሞያ ጥዕና ከተዘራርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኩሉ ግዜ መጀመርያ ናብ ብዓል-ሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ኢኹም ክትከዱ ዘለኩም። ኣድላዪ እንተኾይኑ፡ እቲ ብዓል-ሞያ ጥዕና ናብ ስፔሻሊትስት ሓኪም ክሰደኪ ይኽእል እዩ፡ ንኣብነት ናብ ናይ ማህጸን ሓኪም፡ ናብ መሕረሲት፡ (ናይ ጾታዊ-ርክብ) ፈዋሲ ወይ ከኣ ናብ ብዓል-ሞያ ስነ-ኣእምሮ።
እንተድኣ ኣብ ቅዛነት ኣለኹም፡ ምስ ኤች.ኣይ.ቪ ትነብሩ ኣለኹም ወይ ከኣ ናይ ወሲባዊ ርክብ ጸገማት ኣለኩም ኰይኑ ብዓል-ሞያ ስነ-ኣእምሮ/ክኢላ ፍወሳ ስነ-ኣእምሮ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ።
ጓለንስተይቲ ምስ ሓኪም እናተዘራረበት
ምስ ብዓል-ሞያ ጥዕና እንታይ ትዘራረቡ?
ዳርጋ ብዛዕባ ኩሎም ሚስጢራዊ ጉዳያትኩም ምስ ብዓል-ሞያ ጥዕና ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም። ንኣብነት፡-
ምስ ብዓል-ሞያ ጥዕና ከመይ ትዘራረቡ
ምስ ናይ ብል_ምዕይእ ጥዕና ክትዘራረቡ እንተደሊኹም፡ እዞም ምኽታት ክጠቕምኹም ይኽእሉ እዮም:
- ብዛዕባ እቶም ክትዛተይሎም ወይ ከኣ ክትሓቱሎም እትደልዪ ዛዕባታት ሕሰቡ።
- ካብቲ ብዓል-ሞያ ጥዕና እንታይ ከምእትደልዩ ሕሰቡ። ንኣብነት: ማዕዳ ዲኹም ትደልዩ፡ ናይ መርመራ ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ዲኹም ትደልዩ ዋላስ ናብ ስፐሻሊስ ሓኪም ኢኹም ክትለኣኹ ትደልዩ?
- ክትዛረብሉ ዝኸብደኩም ኣርእስቲ እንተኾይኑ ኣነጽሩ።
- ጼገማትኩም ወይ ሕቶታትኩም ብዝተኻእለ መጠን ንጹራት ክኾኑ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ኣነ መትሎይ ከቕንዕ ኣይክእልን እየ።
- ብዛዕባ እትጥቀምኡሎም ቃላት ሕሰቡ። ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ማህደር ቃላት ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ።
- ንእትኣምንዎ ሰብ ብምዝራብ እውን ደገፍ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ብዛዕባ ሚስጢራዊ ጉዳያትኩም ምስ ብዓል-ሞያ ጥዕና ምዝርራብ ከቢድ እዩ፡ ይኹን እምበር እዚ ኣካል ስራሑ እዩ።
ወዲ-ተባዕታይ ምስ ብዓል-ሞያ ጥዕና እናተዘራረበ።
ብሕታዊነት
ምስ ብዓል-ሞያ ጥዕና ክትዘራረቡ እንከለኹም ምስጢርነትኩም ዝተሓለወ እዩ። ሰብ-ሞያ ንስኹም ዝሃብኩሞም ሓበሬታ ንኻልእ ኣሕሊፎም ክህቡ ኣይክእሉን።
ብዓል-ሞያ ጥዕና ንስኹም ዝሃብኩሞ ሓበሬታ ንኻልእ ኣኽሊፉ ክህብ ኣይኽእልን