ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ወዲ-ተባዕታይ ምዃን ወይ ጓለንስተይቲ ምዃን

ጾታዊ ርክብ

መብዛሕቲኦም ሰባት ሓደ ጾታዊ መንነት ሒዞም እዮም ዝውለዱ። ንሳቶም፡ ተባዕታይ ወይ ኣንስታይ ኰይኖም እይም ዝውለዱ። ጾታዊ ርክብ ብዛዕባ ፊዚካዊ ክፍልታት ኣካላት እዩ። ርክብ ፍልልይ ብዛዕባ ኣብ ጾታ ዘሎ ጠባይ እዩ። ናይ ጾታዊ ርክብ ጠባያት ዝበሃሉ፡ ምሳኻትኩም ዝተወለደ ወይ ጸኒሑ ምሳኹም ዝዓበየ ፊዝካዊ መለለዪ እዩ። ገለ ካብ ፊዚካዊ ጠባያት ብዓይኒ ዝረኣዩ ክዀኑ ከለዉ ገለ ድማ ብዓይኒ ዘይረኣዩ እዮም። ናይ’ዚ ኣብነታት ድማ፡ ብልዕቲ መውለዲ፡ ቅርጺ ኣካላት (መሸከል፡ ዝርግሐ ስብሒን ጽኪ ጡብን ወይ ዕብየት ጡብ)፡ ሆርሞናትን ክሮሞዞምን እዮም። ንገለ ካብ’ዞም ጾታዊ ጠባያት፡ ኣንስታይ ክንብሎም ከለና፡ ንካልኦት ድማ ተባዕታይ ንብሎም።

ገለ ሰባት ኣብቲ ካልእ ጾታ ዝምደቡ ኮይኑ ይስመዖም። ንሳተን ናይ ጓለንስተይቲ ኣካላት ሒዘን ተወሊደን ይኹን እምበር፡ ዝያዳ ናይ ወዲ-ተባዕታይ ስምዒት እዩ ዘለወን ወይ ብግልባጡ። ወይ’ውን ናይ ክልቲኡ ጾታ ስምዒት ክህልዎም ይኽእል። እዚ ብዙሕነት ናይ ጾታ ወይ ስግረ-ጾታውያን ይበሃል።

ሞንጎ ጾታዊ

ሞንጎ ጾታዊ ዝብል ቃል፡ ተሞኵሮታት ናይ’ቶም ምስ ኣካላቶም ዝተወልዱ ኰይኖም እንተዀነ ምስ’ቲ ኣንስታይ ጾታ ወይ ተባዕታይ ጾታ ኢልና እንርእዮ ንዘይሰማማዑ ውልቀ-ሰባት ዘመልክት እዩ። ሞንጎ ጾታዊ ክበሃል ከሎ፡ ሓደ ኣካላት ናይ ክልቲኡ ማለት ናይ ኣንስታይን ተባዕታይ ጾታ ጠባያት ክኸውን ከሎ፡ ከምኡ’ውን ጾታዊ ጠባያት ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሎም ምስ ዘይዓብዩ ወይ እቶም ትጽቢት ዝግበረሎም ጾታዊ ጠባያት ዘይምህላው ወይ ዝያዳ ምህላው ተባሂሉ ክግለጽ ይኽእል እዩ። 

ጾታን ጾታዊ ግደታትን

ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ኣብ’ቲ ሕብረተሰብ ዝጻወትዎ ግደ ኣለዎም። እዚኦም ድማ ጾታዊ ግዴታት ይበሃሉ። ጾታ ማለት፡ ንዅሉ’ቲ ስድራቤት ወይ ማሕበረሰብ፡ ሓደ ወዲ-ተባዕታይ ወይ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ከመይ ዝበለ ጠባያት ወይ ባህርያት ክህልዎ ኣለዎም ዝብል ትጽቢታት ዘመልክት እዩ። እዚ፡ ኣብ’ታ ንስኻትኩም እትዓብዩሉ ሃገር፡ ባህሊን ሃይማኖትን ዝምርኰስን እቲ ስድራቤታትኩም ኣገዳሲ ኢሎም ዝቘጽርዎን እዩ። እዚ ምስ’ቲ ብኸመይ ንስኻትኩም ትዕዘብዎን ትምኮሩዎን ሓደ ክኸውን ግድነት ኣይኰነን። 

ስለዚ፡ ጾታ ማለት ቀዋሚ ረቛሒ ኣይኰነን፡ ግና ብልምድታት ማሕበረሰብን ባህልን ናይ ሓደ ቦታን ናይ ሓደ ግዜን ዝጽሎ እዩ። 

ጀንደር ወይ ኣምር ጾታ ንኸምዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሲ ይህብ፡-

  • ሓደ ወዲ-ተባዕታይ ወይ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ከመይ ክመስሉ ኣለዎም፧
  • ሓደ ወዲ-ተባዕታይ ወይ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ከመይ ዝበለ ጠባይ ከርእዩ ኣለዎም፧
  • ንወዲ-ተባዕታይ ወይ ንጓለንስተይቲ ልሙድ ዝኾነ ኣየናይ እዩ፧
  • ንወዲ-ተባዕታይ ወይ ንጓለንስተይቲ፡ ቅቡል ወይ ዘይቅቡል ዝኾነ ዝባህሪ ኣየናይ እዩ፧

ኣብ ርክባት ወይ ዕርክነታት እውን፡ወዲ-ተባዕታይን ጓለንስተይቲን ዝተፈላለዩ ተራታት እዩ ዘለዎም። ናይ ወዲ-ተባዕታይን ናይ ጓለንስተይቲን ተራታኣት ማዕረ ኣገዳስነት ዘለዎም እዮም።