ንዶባት ሓልዉዎምን ኣኽብርዎምን
ዶባትኩም፡ ኣብ ዕርክነት ወይ ካብ ዕርክነት ወጻኢ ምስ ዘሎ ሰብ ኣብ ዝህልወኩም ርክባት፡ እቶም ንዓኹም ቅቡላት ዝኾኑ ነገራት ይነግረኩም። ዶባትኩም ዝጥሕስ ዘበለ ሰብ፡ ተቐባልነት ኣይህልዎን። ቅንዕናኹም ክህሰ ይኽእል እዩ።
እቲ ሃዋህው ብዛዕባ ኣብ ዕርክነትኩም ዘጋጥሙ ብዙሓት እተፈላለዩ ጉዳያት ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት፡-
- ንስኻትኩም ተጸሪፍኩም፡
- ጾታዊ ርክብ ክትገብሩ ኣይትደልዩን (ጌና ክሳዕ ሕጂ)፡
- ገለ ዓይነታት ጾታዊ ርክብ ክትገብሩ ኣይትደልዩን፡
- ዘለኩም ተሞኵሮታት ጎነጻዊ ተግባር እዩ።
ናይ ሓደ ሰብ ዶባት ተጣሒሱ ዝበሃል፡ ምስ’ቲ ዝኸውን ዘሎን ኣብ ኣገባብ ኣተገባብርኡን ምስ ዘይሰማምዑ እዩ።
ዶባት ንምክብባር፡ ክልቲኦም መጻምድቲ፡
- ምስ’ቲ ዝኸውን ዘሎ ክሰማምዑ ኣለዎም፡
- ጸቕጢ ክገብሩ ወይ ክስምዖም የብሉን፡
- ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተዕርክነት ክህልዎም ይግባእ (እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ሓይሊ ክጥቀም የብሉን)።
ወዲ-ተባዕታይን ጓለንስተይቲን ክልቲኦ ምሓቢሮም ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ ተስማዕሚዖም
“እወ” ክበሃሃሉን “ኣይፋል” ክበሃሃሉን
ዶባትኩም ዝተጣሕሰ ኰይኑ ምስ ዝስምዓኩም፡ “ኣይፋል” በል። መጻምድኹም ነቲ ናታትኩም ምርጫ ከኽብሮ ኣለዎ። ብዛዕባ እትደልይዎን ከመይ ከም ዝስምዓኩምን ኣመልኪትኩም ምስ መጻምድትኹም ተዘራረቡ፡
- ኣዚኹም ንጹራት ኩኑ።
- ቀጥ ኢልኩም ጠጠው በሉ ወይ ኮፍ በሉ እሞ፡ ናብ ኣዒንቲ መጻምድኹም ጠምቱ።
- ስለምንታይ “ኣይፋል” ከምዝበልኩም ግለጽሉ።
- ኣድላዪ እንተኾይኑ፡ መልእኽትኹም ድገምዎ።
- ሕማቕ ዝገበርኩም ኮይኑ ክስመዓኩም የብሉን።
- ክትፍጽምዎ ዘይትኽእሉ መጽብዓታት ኣይትእተዉ።
- ሓባራዊ ስምምዕ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ ንመጻምድኹም ጽቡቕ ገይርኩም ኣነጽሩሉ።
እታ ጓል፡ ነቲ ወዲ “ኣይፋል” ክትብሎ እንከላ።
“ኣይፋል” ምባል ከቢድ እዩ፡ ይኹን እምበር ንመጻምድኹም ዶባትኩም ኣበይ ከምዝኾነ እትነግሩሉ መገዲ እዩ። ዶባትኩም ንመጻምድኹም ብግልጺ ንጹር ክኸውን ኣለዎ። ነቲ “ኣይፋል” ዝበልኩምዎ ብመጻምድኹም ተቐባልነት ክረክብ እንተዘይክኢሉ፡ ሞያዊ ደገፍ ድለዪ ወይ ምስ ቀርባኹም ሰብ ተማኸሩ።
መጻምድኹም ከይትኸስሩ ክትፈርሑ ትኽእሉ ኢኹም። መጻምድኹም ምስኻትኩም ዝስማማዕ ዲዮም ወይ ንስኻትኩም ንዘይትደልይዎ ነገራት’ዮም ክትገብሩ መሊሶም ዘገድድኹም ወስኑ።
ኣነዋሪ ባህርያት ጾታዊ ዓመጽ
ሓደ ሰብ፡ ንስኻትኩም ዘይትደልይዎ ጾታዊ ነገር ኣብ ልዕለኹም ምስ ዝፍጽም፡ እዚ ሰብ እዚ ዶባትኩም ጥሒሱ ይበሃል። እዚ ንኸም ምስዓም፡ ምትንኻፍ፡ ጾታዊ ርእይቶ ምሃብ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ዓመጽን ምንዝርናንየጠቓልል። እዚ ብሓይሊ ወይ ምፍርራሕ ዘለዎ (ግዴታ) ክፍጸም ይኽእል እዩ፡ ግና ከምኡ ክኸውን ኣይግብኦን እዩ። ዋላ ንስኻትኩም ደቂስኩም እንተሃለኹም ወይ መስተ ሰቲኹም እንተነበርኩም፡ ወይ ኣብ ጎደና እናተዛወርኩም ከለኹም፡ ሓደ ሰብ ንስኻትኩም ዘይትደልዩዎ ጾታዊ ነገር ኣብ ልዕለኹም ምስ ዝፍጽም፡ እዚ ገሃሲ ባህርያት ጾታዊ ዓመጽ ይበሃል። መቕጻዕቲ ዘስዕብ ገሃሲ ባህርያት ጾታዊ ዓመጽ ዝበሃል ከም ጾታዊ መጥቃዕቲን ዓመጽን ኰይኑ፡ ጾታዊ ጎነጻዊ ተግባር እውን ይበሃል እዩ።
ናይ ሓድሕድኩም ዶባት ምክብባር ኣገዳሲ እዩ። ግህሰት፡ ስነ-ኣእምሮኣዊን ናይ ጥዕናን ጸገማት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣነዋሪ ባህርያት ጾታዊ ዓመጽን ካልኦት ኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ዝፍጸሙ ጎነጻዊ ተግባራትን ብሕጊ ክልኩላት እዮም።
ንስኹም ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሙ ደሊኹም መጻምድኹ ግና ምስ ዘይደሊ፡ ነዚ ሓቢርኩም ክትመያየጥሉ ትኽእሉ ኢኹም። ጾታዊ ርክብ ካብ ግብረስጋ ንላዕሊ እዩ። ኣብ መንጎኹም ኣካላዊ ምቅርራብ ምህላዉ ንባልዕሉ፡ ንምቾትኩምን ዕርክነትኩምን ማዕረ ኣገዳስነት ኣለዎ።
ኣነዋሪ ባህርያት ጾታዊ ዓመጽ ካብ ዝምድና ወይ ርክብ ወጻኢ ከጋጥም ይኽእል እዩ፡ ንኣብነት፡ ኣብ መንጎ ኣዝማድ፡ እትፋለጦ ሰብን ናይ ቀደም-መጻምዲ ወይ ምስ ጋሻ ሰብ።
ሓገዝ ምድላይ
ኣነዋሪ ባህርያት ጾታዊ ዓመጽ ምስ ዘጋጥመኩም ወይ ብመጻምድኹም ጎነጻዊ ተግባር ምስ ዝፍጸመኩም፡ ሓገዝ ድለዪ፦
- ምስቲ ንስኹም እትኣምንዎ ሰብ ተዘራረቡ።
- ምስ በዓል ሞያ ጥዕና ተዘራረቡ። ወቐሳን ሕፍረትን ክስምዓኩም ኣይግባእን። እዚ ንብዙሓት ሰባት ዘጋጥሞም እዩ።
ሓደ ሰብ ኣብ ልዕለኹም ኣነዋሪ ባህርያት ጾታዊ ዓመጽ ምስ ዝፍጽም ወይ ካልእ ምስ መጻምዲ ዝተሓሓዝ ጎነጻዊ ተግባር ምስ ዘውርደልኩም፡ ብዛባኡ ክትሕብሩ ምስ እትደልዩ ንፖሊስ ተወከሱ።