ኣብ ክብሪ ዝተሰረተ ጎነጻዊ ተግባር
ክብሪ ማለት፡ ንስኹም ንገዛእ-ርእስኹምን ንሕብረተሰብኩምን ልዑል ዋጋ ዘለኩም ኢኹም ማለት እዩ። ገለ ሰባት ብኸመይ ክብረት ብዘለዎ ህይወቶም ክመርሑ ከምዘለዎም ባዕሎም ይውስኑ። ንኻልኦት ድማ፡ ብቤተሰቦም ወይ ብሕብረተሰብ ዝተወሰነ እዩ። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ፡ ንቤተሰብኩም ትውክሉ ኣለኹም ማለት እዩ። ባህሪኺ ንኹሎም ኣባላት ቤተሰብኪ ይጸልው።
ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ንናይ ስድራቤት ክብሪ ኣዋሪዱ ተባሂሉ ዝቑጸር በዚ ዝስዕብ እዩ፦
- ድንግልናኽን ምስ ዝፈርስ፡
- ቅድሚ መርዓ ዝምድና ምስ እትጅምራ፡
- ምስ እትዕመጻ፡
- ካብ ገዛኽን ምስ እትጠፍኣ፡
- ወለድኽን ንዝመረጹልክን ሰብ ኣይምርዖን ኢልክን ምስ እትኣብያ፡
- ተቐባልነት ዘይብሉ ባህርያት ምስ እተንጸባርቓ፡ ንኣብነት ካብ ቤት-ትምህርቲ ምስ ተፈደስክን ቀልጢፍክን ገዛ ምስ ዘይትኣትዋ ወይ ተቐባልነት ዘይብሉ ክዳን ምስ እትኽደና፡
- ካብ መጻምድኽን ወይ ካብ ቤተሰብክን ምስ እትፍለያ።
ናይቲ ቤተሰብ ክብሪ እንድሕር ተዋሪዱ ወይ ክዋረድ ተኽእሎ እንተሃልዩ፡ ገለ ግዜ ስድራቤታት ክብሮም ንምድሓን ወይ ንምምላስ፡ ሓይሊ ወይ ጎነጻዊ ተግባር ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። እቶም ስድራቤት፡ ኣካል ናይ’ቲ ዝነብሩሉ ማሕበረሰብ ኰይኖም ምእንቲ ክቕጽሉ፡ ከምዚ ምውሳድ ኣገዳሲ ኰይኑ ክስምዖም ይኽእል እዩ። እዚ ኣብ ክብሪ-ዝተሰረተ ጎነጻዊ ተግባር ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ኣብ ክብሪ-ዝተሰረተ ጎነጻዊ ተግባር ብሕጊ ክልኩል እዩ።
ዓይነታት ኣብ ክብሪ-ዝተሰረተ ጎነጻዊ ተግባር
ኣብ ክብሪ-ዝተሰረተ ጎነጻዊ ተግባር ብዙሕ ዓይነት እዩ፡ ንኣብነት፦
- ቁጽጽር፡- ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ቁጽጽር ኣባላት ስድራት ምዃን፡ ከምኡ ድማ ምስ ኣዕሩኽ ክትከይድ ወይ ስፖርታዊ ንጥፈታት ከተካይድ ዘይምፍቃድ፡
- ኣካላዊ መቕጻዕቲ፦ ርግሒት ወይ ማህረምቲ፡
- ስነ-ኣእምሮኣዊ መቕጻዕቲ፦ ጸርፊ፡ ምፍርራሕ፡ ቤተሰብክን ከም ዝሞትክን ወይ ፈጺምክን ከምዝየለኽን ገይሩ ክቘጽረክን ከሎ፡
- ኣስገዳዲ መርዓ፡
- ሓደ ሰብ ርእሰ-ቅትለት ክፍጽም ምግዳድ፡
- ነብሰ-ቅትለት።
ኣብ ብዙሓት ማሕበረሰባት፡ ደቂ-ተባዕትዮ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ናጽነትን ስልጣንን ኣለዎም። ናይ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ተራታት (ጾታዊ ተራታት) ኣዝዮም ዝተፈላለዩ እዮም። በዚ ምኽንያት እዩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ-ኣንስትዮ ብተደጋጋሚ ግዳይ ኣብ ክብሪ-ዝተሰረተ ጎነጻዊ ተግባር ዝዀና።
ገለ ግዜ’ውን፡ ደቂ-ተባዕትዮ፡ በቲ ኣብ ክብሪ-ዝተሰረተ ጎነጻዊ ተግባር ይሳቐዩ እዮም፡ ንኣብነት ብዛዕባ ግብረሰዶማዊያን ምዃኖም ምስ ዝዛረቡ ወይ ምስቲ ወለዶም ዝመረጹሎም ሰብ ምምርዓው ምስ ዝኣብዩ።
ጎነጻዊ ተግባር፡ ካብ ሓደ ብዝበዝሑ ኣባላት ስድራቤት ክፍጽም ይኽእል እዩ። እቶም ጎነጻዊ ተግባር ዝፍጽሙ ሰባት ደቂ-ተባዕትዮ ወይ ደቂ-ኣንስትዮ ክኾኑ ይኽእሉ። ኣብ ገለ እዋናት፡ ነቲ ጎነጻዊ ተግባር ዝፍጽም፡ ናይ’ቲ መጻምዲ ብጻይ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሓገዝ ምድላይ
ግዳይ ናይ’ቲ ኣብ ክብሪ-ዝተሰረተ ጎነጻዊ ተግባር ምስ እትዀኑ ፡ሓገዝ ድለዩ፦
- ነቲ ክትኣምንዎ እትኽእሉ ሰብ ተዛረብዎ።
- ብዛዕባ እቲ ጎነጻዊ ተግባር፡ ንፖሊስ ወይ ንፍሉይ ትካል ረኺብኩም ተዛረብዎ። ነቲ ኩነታት ጽቡቕ ገይርኩም ብዝገለጽኩምዎ መጠን፡ ድሕነትኩም እውን ብዝሓሸ ኣገባብ ክሕሎ ይኽእል።