ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ንቈልዓኽን ጡብ ምጥባው

ኮፍ ኢልኪ ወይ ተገዲምኪ

ኮፍ ኢልክን ወይ ተገዲምክን ጡብ ከተጥብዋ ትኽእላ ኢኽን።

ጡብ ምጥባው ኣብነት ቊጽሪ 1፦ እታ ኣደ ኮፍ ኢላ፡ እቲ ቈልዓ ከኣ ብኣእዳዋ ሓቚፋቶ ኣላ።

ጡብ ምጥባው ኣብነት ቊጽሪ 2፡ እታ ኣደ ኮፍ ኢላ ኣላ፡ እቲ ቈልዓ ኸኣ ኣብ ጎድና ተገዲሙ ኣሎ።

ጡብ ምጥባው ኣብነት ቊጽሪ 3፡ እታ ኣደን እቲ ቈልን ተገዲሞም ኣለዉ።

ብኸመይ ጡብ ተጥብዋ

ንቈልዓኽን ከምዚ ዝስዕብ ገይርክን ኣጥብዋኦ፦

  • ነቲ ቈልዓ ናባኽን ገጹ ኣቕሪብክን ሓዝኦ።
  • ነቲ ቈልዓ ኣፍንጫኡ ማዕረ ጫፍ ጥብክን ከምዝበጽሕ ገይርኪ ሓዝኦ።
  • እቲ ቈልዓ ኣፉ ከፊቱ ነቲ ጫፍ ጡብ ክጠቡ ይጅምር።
  • እቲ ጫፍ ጡብን ዓብዩ ክፋል ናይ ኣብ ዙርያ ጫፍ ጡብ ዝርከብ ጡብን፡ ኣብ ኣፉ ኣእትዩዎ ኣሎ።
  • ናይ’ቲ ቈልዓ ከናፍር ንደገ ተኸቢሶም ኣለዉ። እቲ ቈልዓ ይጦቢ።

ቈልዓኽን ከምዝጠመየ ዘርእዩ ምልክታት

ኣብ መጀመርያ፡ መብዛሕቲኦም ዕሸላት ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ካብ 2 ክሳብ 3 ሰዓታት ይምገቡ፡ ጸኒሖም ከኣ ኣብ ኣስታት ካብ 4 ክሳብ 6 ሰዓታት። ይኹን እምበር፡ ኩሎም ቈልዑ ዝተፈላለዩ እዮም። ነቲ ቈልዓ ኣብ ዝሓተተክን ግዜ መግባኦ።

ቈልዓኽን እንተ ደኣ ጠምዩ፡ ካብዞም ዝስዕቡ 1 ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ ምልክታት ክትርእያ ከኣላ፡

  • ኣፍን መልሓስን ምውስዋስ፡
  • ኣእዳው ምልሓስ ወይ ምጥባው፡
  • ምሽቓል ወይ ምህዋኽ፡
  • ምብካይ።

ጥዑይ ምጥባው ጸባ ጡብ

ንቈልዓኽን ጥዑይ ጸባ ጡብ ንኽተመንጭዋሉ፦

  • ሽጋራ ኣይተትክኻ፡
  • ኣልኮል ኣይትስተያ፡
  • ሓሺሽ ኣይትጠቐማ፡
  • ንበዓል ሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና ወይ ንመሕረሲት ከየማኸርክን፡ መድሃኒት ኣይትውሰዳ፡
  • ኤች.ኣይ.ቪ ምስ ዝህልወክን፡ ዝበዝሑ ሓካይም ኔዘርላንድስ፡ ኣብ ክንዲ ጸባ ጡብ ተጥብዋ፡ ናይ ቈልዓ ወይ ዕሸል ጸባ ክትጥቀማ እዮም ዝመኽሩኽን። እዚ ሜላ’ዚ ተኽእሎ ምትሕልላፍ ኤች.ኣይ.ቪ ዘወግድ እዩ። ይኹን’ምበር፡ ሓንቲ ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዋን ቫይረስ ኣብ ውሽጣ ዝተዓብጠን ኣደ፡ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ሓኪም ጸባ ጡብ ከተጥቡ ትኽእል እያ። ነዚ ኣመልኪትክን፡ ምስ ሓኪምክን / ክኢላ ኤች.ኣይ.ቪ ተረዳድኣ።

ጡብ ከተጥብዋ ዘይትኽእላ እንተኾንክን፡ ካልኦት ምስ ቄልዓኽን ክትቀራረባሉ እትኽእላ ካልኦት መገዲታት ኣለዉ።

ጡብ ምጥባውን መከላኸሊ ጥንሲን

ድሕሪ ሕርሲ፡ ኣብ ከባቢ 3 ሰሙናት ዳግማይ ጥንሲ ክትሕዛ ትኽእላ ኢኽን። ዘይውሑስ ጾታዊ ርክብ ምስ እትፍጽማ፡ ዛጊት ዋላ ጽግያት ኣይሃሉኽን ክትጠንሳ ትኽእላ ኢኽን።

ጡብ ምጥባው፡ ሓደ ካብ ሜላታት ተፈጥሮኣዊ ውጥን ስድራቤት እዩ። ይኹን’ምበር፡ እዚ ግን ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ኩነታት ጥራይ እዩ ዝሰርሕ፦

  • እዚ ብትኽክል እንተ ደኣ ተተግቢሩ፡ እዚ ሜላ እዚ፡ ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ዘለዋ 6 ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ዝሰርሕ። ድሕሪ 6 ኣዋርሕ፡ መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀማ እቲ ዝተመርጸ እዩ።
  • ንዕሸልክን ጥራይ ከተጥብዋ ትግደዳ ኢኽን። እዚ ማለት፡ እቲ ቈልዓ ጸባ ጡብ ጥራይ ይምገብ ኣሎ ማለት እዩ። እቲ ቈልዓ፡ ኣብ ግዜ ቀትሪ ዝጠብየሉ፡ ካብ ውሽጢ 4 ሰዓት ኣፈላላይ ክበዝሕ የብሉን፡ ኣብ ግዜ ለይቲ ዝምገበሉ ድማ ካብ ውሽጢ 6 ሰዓት ኣፈላላይ ክነውሕ የብሉን።
  • ጸባ ጡብ ክትሓልብኦ የብልክንን። ምሕላብ ጸባ ማለት ነቲ ጡብ ብኢድካ ጸሚቕካ ወይ ፓምፕ ተጠቒምካ ጸባ ካብ ጡብ ምምጣጥ ማለት እዩ።

እዞም ረቛሒታት እንድሕር ዘይተማልኣ ኰይንክን፡ ሕክምናዊ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ተጠቐሚ። ኣብተን ጡብ እተጥብዋለን ኣዋርሕ፡ ኮንዶም ወይ ደቃቕ-ከኒና፡ መርፍእ መከላኸሊ ጥንሲ ወይ ኣብ ቅልጽም ዝቕበር መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀማ እቲ ዝሓሸ እዩ። ድሕሪ ምሕራስክን፡ ብቐጥታ ጥንሲ ክትሕዛ ትኽእላ ኢኽን። ብዛዕባ’ዚ፡ ምስ መሕረሲትክን ወይ ሓኪምክን ተዘራረባ። መድሃኒት ክእዝዙልክን ወይ መከላኸሊ ክገብሩልክን ይኽእሉ እዮም።