ናብ’ዞም ስዕቡ ምትርጓም፡-

ምስ ቆልዓ ምንባር

መነባብሮ ይልወጥ

ቆልዓ ምውላድ ዘሐጉስን ዘደስትን ክኸውን ይኽእል እዩ።  

ድሕሪ ቆልዓ ምውላድ መነባብሮ ህይወትካ ክልወጥ ንቡር እዩ

ከምዚ ዝስዕብ ክትከውን ትኽእል:

  • እቲ ቆልዓ መግቢ፡ ክንክንን ፍቕርን ካባኻ ስለዝጽበ፡ ብዛዕባኡ ዓቢ ሓላፍነት ይስምዓካ;
  • ብዛዕባ ናይቲ ቆልዓ ስምዒታትን ድሌታትን ዘይውሑስነትን ፍርሒን ይስመዓካ። 
  • ለይቲ ክትንስእ ስለትግደድ ድቃስ ይውሕደካ;
  • ጸባ ጡብ ምጥባው ከጸግመኪ ይኽእል(ንጓለንስተይቲ);
  • ብዛዕባ መጻኢ ትጭነቕ;
  • ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩኻ ኣመላትን ናይ ምዝንጋዕ ልምዲታትን ከተቋርጽ ኣለካ;
  • ንጥፈታትካ ብጥንቃቐ ክትውጥን ኣለካ።

ማሕበራዊ ህይወት

ማሕበራዊ ርክባትካ ክቕየሩ ይኽእሉ። ንኣብነት፡ ከምዚ ክትደሊ ትኽእል:

  • ብዙሕ ግዜ ምስ ቆልዓኻ ከተሕልፍ ትደሊ;
  • ቆልዑት ምስ ዘለዉዎም ሓደሽቲ ሰባት ትላለይ;
  • ትግዕዝን ሓደሽቲ ጎረባብቲ ትረክብን;
  • ኣቐዲምካ ብዙሕ መደባት ከተውጽእ ኣለካ: ምስ ገለ ሰባት ዝነበረካ ዕርክነት እናዘሓለ ክመጽእ ይኽእል።

ክልቲኦም ወለዲ ናይቲ ቆልዓ ኣብ ህይወቶም ለውጢታት የጋጥሙዎም።

ለውጡታት ንቡራት እዮም። ምስቲ ሓድሽ ኩነታት ክትላመድ ቁሩብ ግዜ ክወስደልካ ይኽእል እዩ።

ምዝራብ

ወላዲ ምዃን እናተመሃርካዮ እትኸይድ መስርሕ እዩ። ንቤተሰብኩም፡ ንኣዕሩኽትኹም፡ ንኻልኦት ወለዲ ከምኡ ድማ ንሓኪም ወይ ከኣ ንመሕረሲት ኣዘራርቡ። ንሳቶም ክሕግዙኻን ምኽሪ ክህቡኻን ይኽእሉ እዮም። ምስ መጻምድትኻ እውን ብዛዕባ ክህሉወኩም ዝግባእ ናይ እጃምን ስራሕን ክፍፍል ከምኡ ድማ ብዛዕባ ክልቴኹም እትደልዩዎ ነገራት ተዘራረቡ።