ናይ ኤች.ኣይ.ቪ ሕክምና ከይገበርካ ምንባር
ምልክታት ናይ ዘይተፈወሰ ኤች.ኣይ.ቪ
እንተድኣ ሓደ ሰብ ብ ኤች.ኣይ.ቪ ተልኺፉ፡ እዞም ዝስዕቡ ምልክታት ክረኣዩ ይኽእሉ:
- ኣብ ቀዳማይ ሰሙን: ንሰዓል፡ ዕንፍሩር ወይ ከኣ ንሕብጥ ዝበሉ ሱር ዕያገነዳ ዝመስሉ ምልክታት።
- ብድሕሪኡ ምልክታት ዘይብሉ ግዜ ይመጽእ።
ሽዑ ናይ ኤች.ኣይ.ቪ ፍወሳ እንተዘይጌሮም:
- ድሕሪ እተወሰነ ግዜ (እዚ ድሕሪ 2 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ክኸውን ይኽእል) ሓድደስቲ ምልክታት ክረኣዩዎም ይጅምሩ።
- ፍወሳ ምስ ዘይገብር፡ ስርዓተ-ምክልኻል ሕማም ናይቲ ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዎ ሰብ ድኹም ይኸውንሞ ሽዑ ንኻልኦት ረኽሲታት ክቃላዕ፡ ክሓምም ኣብ መወዳእታ ድማ ክመዉት ይኽእል።
ፍወሳ ምስ ዘይገብር፡ ስርዓተ-ምክልኻል ሕማም ናይቲ ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዎ ሰብ ድኹም ይኸውንሞ ሽዑ ንሱ/ንሳ ንኻልኦት ሓያለ ረኽሲታት ክቃልዑን ክሓሙን ይኽእሉ።
እናተሓከምካ ምስ ኤች.ኣይ.ቪ ምንባር
ቀልጢፍኩም ናይ ኤች.ኣይ.ቪ ምርመራ ብዝገበርኩም፡ እቲ ኤች.ኣይ.ቪ ኣብ ጥዕናኹም ዘስዕቦም ሳዕቤናት ክብደቶም እናነከየ ይመጽእ። ንቡር ህይወት ክትመርሑ ከምኡ ድማ ክንዲቲ ኤች.ኣይ.ቪ ዘይብሎም ሰባት ዝነብሩዎ ዕድመ ክትነብሩ ትኽእሉ ኢኹም።
ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዎ ሰብ እንድሕር ተሓኪሙ፡ እቲ ቫይረስ ብዘይውሑስ ጾታዊ-ርክብ ኣቢሉ ናብ ካልኦት ሰባት ናይ ምትሕልላፍ ስግኣተ-ሓደጋኡ ትሑት እዩ።
ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዎ ሰብ ንቡር ህይወት ክመርሕን ክሳብ ዕድመ ሽምግልና ክበጽሕን ይኽእል።
ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዎ ሰብ ንቡር ህይወት ክመርሕ ይኽእል እዩ።
መርመራ ኤች.ኣይ.ቪ
እንተድኣ ኤች.ኣይ.ቪ ከምዘይብላ ብርግጸኛነት ክትፈልጥ ደሊኻ ወይ ከኣ ብ ኤች.ኣይ.ቪ ክትልከፍ ኣብ ዘኽእል ኵነታት ሃሊኻ ብዓልካ ኬድካ ተመርመር ። ንኣብነት ምስ ካልኦት ደቂ-ተባዕትዮ ጾታዊ-ርክብ ዝፈጸምካ ወዲ-ተባዕታይ ወይ ከኣ ስግረ-ጾታውያን ክትከውን ስለእትኽእል። ሓገዝ ንምርካብ ኣብቲ ናይ ሓተትቲ ዕቑባ’ማእከል ጥዕና ንዝርከብ በዓል-ሞያ ሓፈሻዊ ሕክምና፡ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ምምሕዳር ከተማ (GGD) ወይ ከኣ ን ብዓል-ሞያ ጥዕና ሕተት።
ወዲ-ተባዕታይ ምስ ብዓል-ሞያ ጥዕና እናተዘራረበ።